ክቕየር ዘይከኣል ናይ ኤርትራ ልኡላዊ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ
ባና ቀይሕ ባሕሪ
ናጻ ናይ መጽናዕቲ መድረኽ መሲሉ፡ ንርእሱ ‘ሆርን ረቪው’ ኢሉ ዝሰሚ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ሓደ ጠገለ ዝጐደሎ ጽሑፍ ኣስፊሩ ነይሩ። ኣብቲ “ኤርትራ እንክትቅላዕ፡ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ሃገራዊ ኣፍልጦ ኢትዮጵያ ምስ እትስርዞ” ዝብል ጽሑፉ፡ ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ክትሓክኽ ከም እትኽእል ገይሩ፡ ብብዙሕ ናይ ፖሊሲ ሓረጋት ሸፋፊኑ ትንተናኡ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ክትስርዝ ያኢ ከም እትኽእል ዘቕረቦ ጽሑፍ ብኹሉ መለክዒታት ጣቋ ዝጎደሎ ኣብ ኣእምሮ እቶም ጸሓፍቲ ዝመላለስ ናይ ቀትሪ ሕልሚ እዩ። እዚ ብኣልባሳት መጽናዕታዊ ትንታነ ተሸፋፊኑ ስነ ፍልጠታዊ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ መሲሉ ዝቐረበ ናይ ፕሮፖጋንዳ ጽሑፍ፡ ቅዉምነገር ዘይብሉ ባዶሽ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።
እቲ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህርድግ ኢሉ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ናብ ምግሃስ ከይቀላጠፍን ጥንቃቐ ከም ዘድልዮን ክመክር ይፍትን። ኣብ ሚዛን ክኣቱ ዘለዎ ሕጋውን ስትራተጂያዊ ኣገባባትን ከም ዘሎ እውን ከዘኻኽር ይፍትን። ምስ ዝፍተሽ ግና ኣብ ፈኲስ ሰረት ዝተነድቀ ፈራሲ ኰይኑ ይርከብ። እቲ ጽሑፍ ቅዉምነገር ዘለዎ ንምምሳል ዝተጠቕመሎም ናይ ልቓሕ ቃላት ኣልጊስካ፡ ካብ መድረኽ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሰልፊ ብልጽግናን ካራሩ ዝስሕሉ ጀነራላትን መዓልታዊ ዝስማዕ ባዶ ሃተፍተፍ ዝነቐለ እዩ። ካብ መደናገሪ ዓውዓውታ ዘይሓልፍ መእሰሪ ዘይብሉ ተደጋጋሚ ሓሶት ኮይኑ ድማ ንረኽቦ።
ናጽነት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ትኳቦ ኣይኮነን። ናጽነት ኤርትራ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እትህቦ ኣፍልጦ ዝተመርኰሰ እውን ኣይነበረን። ሃገራውነት ኤርትራ ኣብ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተሰረተ ብደምን ሰማእትነትን ዝተዋሕሰ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተረጋገጸ ንልዕሊ ሰለስተ ዕቑድ ልኡላውነቱ ዘመስከረ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ዝኽሕድ፡ ትንታነ ዘይኮነስ ልብወለድ ጽሑፍ እዩ።
ኣብቲ ጽሑፍ ዝረአዩ ኣባላት ጋንታ ሆርን ረቪው ኮይኖም ዝቐረቡ ናይ ሽዱሽተ ሰባት ስእሊ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ ቅዉምነገር ዘለዎ ንኽመስል ዝተጠቓቐዐ፡ ናይ ካልእ ወገን ቃላት ተቐቢሎም ዘቃልሑ ብስም መጽናዕታዊ ጽሑፍ ናይ ዝውክልዎ ስርዓት ቃላት ዘቀባብሉ እዮም። ዕርቃን ዝወጸ ክሕደት ዝሽፍኑሉ ብስም ምሁራን ዝተዳለወ ቈጽሊ ክሰፍዩ ሃተምተም ዝብሉ እዮም። ነቲ ብሓሶት ዝተለጋገበ፡ ዘይራኸብ ናይ ሓሳብ ኰለልን ተገራጫዊ ዓውዓውታን ድማ፡ ስነ ሞጎታዊ ክትዕ ኣምሲሎም ከቕርቡዎ ይፍትኑ።
ዘቕርብዎ ድኹም መካትዒ ነጥቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጋውነት እውን ዘይብሉ እዩ። ሕጊ ወይ ታሪኽ ዘጽነዐ ወይ’ውን ቍሩብ ናይ ዓለም ለኻዊ ርክባት ኣፍልጦ ዘለዎ ተራ ሰብ ክቕበሎ ዘጸግም ጽሑፍ እዩ። ኣብዚ ናይ ቀትሪ ሕልሚ ምጽዋት ቀጺሉ ዘሎ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ተሪር ግብረ መልሲ ክስዕቦ ከም ዝኽእል ክፈልጥ ኣለዎ። ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጎበጣን ዝምታን ባዕላ ወሊዓ ዝተሳዕረትሉ ኲናት፡ እቲ ዝስዓበ ሕንፍሽፍሽን ኣብ ሰላሳ ዓመት ዘውረዶ ዕንወትን ተሓታቲት ምዃና ክትዝክር ኣለዋ።
እዚ ኣካዳምያዊ ጸወታ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምእታው ትቕጽል እንድሕር ኮይና ብዓቐን መዳርግቲ ዘይብሉ ኣብቲ ናይ ሰለስተ ዕቑድ ጎበጣን ዕንወትን ዝተመርኮሰ መዘዝ ትስሕብ ከም ዘላ ክትፈልጥ ኣለዋ። ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዘርእዮ ዘሎ ዓቕሊጽበት እምበር ናይ ሓይሊ ምልክት ኣይኮነን። ኣብ ምድረበዳ ብርሑቕ ዝርአ ዋርዋርታ ክበጽሑ እናተመነዩ ኣብ ትሕቲ እግሮም ናብ ዘሎ ሰልሚ እዮም ዝጥሕሉ ዘለዉ።
ሓቀኛ ታሪኽ - ወተሃደራዊ ስዕረት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ
ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1993 ብምይይጥ ዝተረኽበ ኣይነበረን። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዕቑድ መሪር ውግእ ኣብ ዓውዲ ውግእ ተሃኒጹ ዝወጸ እዩ። ብፈኲስ ብረት ዝተዓጥቀን ብብዝሒ ሰራዊት ዝተዓብለለን ህዝባዊ ግንባር ንሓርነት ኤርትራ ነቲ ብሕብረት ሶቭየት ዝድገፍ ግዙፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ በዲሁ፡ ሓማሺሹዎ። ጠሪሱ ፈራሪሱ ክሳዕ ዝበታተን ከኣ ተሳዒሩ።
ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣብታ ቕነ እቲኣ ዝነበሩ 130 ሽሕ ወተሃደራት ልዕሊ 114 ሽሕ ተማሪኾም። ካብኣቶም እቶም 80 ሽሕ ብባርካ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ክሃድሙን፡ 21 ሽሕ ከኣ ኣብ ክሳድ ዒቃ መንጽር ዶብ ኢትዮጵያ ዝተታሕዙን፡ እቶም 13 ሽሕ ከኣ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተማረኹን እዮም ነይሮም። ካልኦት 16 ሽሕ ከኣ ኣብ ውግእ ዝተቐትሉ ነይሮም። ኣብ ዓሰብ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኩነታት እዩ ኣጋጢምዎ። ብዘይካ እቶም ናብ የመንን ጅቡቲን ዝሃደሙ ውሑዳት መብዛሕትኦም ተማሪኾም። ዝተረፉ ከኣ ኣብ ውግእ ተቐቲሎም። ዘይተኣደነ ኣጽዋር ከኣ ተማሪኹ።
ድሕሪ ስዕረትን ምብትታንን ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ናጽነት ኤርትራ ብሓውን ብደምን ዝተጠርየ ርጉጽ ሓቂ ነበረ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ መደበር ዓሰብ ምስ ተደምሰሰ ድማ ምዕራፍ መግዛእቲ ንሓዋሩ ተዓጽወ።
መሰል ሃገራውነት ኤርትራ ብቐንዱ ካብ መትከላት ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተበገሰ እዩ። ብኹሉ መለክዒታት ዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ኤርትራ ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያ ኣብ ፈለማ ኣርበዓታት ወይ ከኣ ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣብ 1952 ምስ ኣብቀዐ ናጻ ክትወጽእ ነይሩዋ። ከምኡ ዘይምዃኑ ድማ ኣብ ሕልና ውድብ ሕቡራት ሃገራት በሰላ ኮይኑ ተሪፉ። ምዕራባውያን ሓይልታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበሮም ጂኦፖለቲካዊ ረብሓ ንምውሓስ መሰል ኤርትራ ከም መስዋእቲ ገይሮም ከቕርቡ ብውዲት ሰሚሮም።
ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝጸንሑ ህዝብታትን ሃገራትን ምሉእ መሰል ርእሰ ውሳነ ክህልዎም ዘፍቅድ ናይ 1960 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣዋጃት ባዕዳዊ መግዛእቲ ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ከብቅዕ ይጽውዕ። ናይ ኤርትራ ሕቶ እውን ዝተፈልየ ኣይነበረን። ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከይትወጽእ ዝተፈጸመ ግሁድ ጥልመት እዩ ነይሩ።
እቲ ጥልመት ዘኽፈሎ ዋጋ መማዝንቲ ኣይነበሮን። ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተኸፍሎ ዋጋ፡ ዓድታት ብመንደድቲ ዝተሃመዃሉ፡ ኢንዱስትርያዊ ትካላት እናተማሕወ ዝተወስደሉ ናይ ሰለስተ ዕቑድ ውግእ ተኻይዱ። ከም እተን ብዓለም ለኻዊ ሽምግልና ናጽነተን ዝረኸባ ናሚብያን ዚምባብወን ዘይኮነትስ፡ ኤርትራ ብደምን መስዋእትነትን እያ ናጽነት ረኺባ።
ኣብ 1993 ዝተኻየደ ረፈረንደም ብመንጽር ሕጊ ኣድላዪ እውን ኣይነበረን። ህዝባዊ ግንባርን ኤርትራውያንን ዝጨበጡዎ ዓወት ንዓለም ንኸርእዩ ብፍታዎም ዝወሰድዎ ስጉምቲ እዩ ነይሩ። ነዚ ግሁድ ሓቂ ኢትዮጵያ እንተኾነት እውን እናተማትአት ኣፍልጦ ክትህቦ ነይሩዋ።
ኤርትራ ዝሰገረቶ ኢትዮጵያ ዝሓምሸሸቶ - ሚዛን ሞንተቪደዮ
ኣፍልጦ ምሃብ ንሰነድ ደኣ እምበር ልኡላውነት ኣይፈጥርን። ሓደ ህዝቢ እንተደኣ እተን ኣርባዕተ መለክዒታት ውዕል ሞንተቪደዮ - ግዝኣታዊ ቦታ፡ ቀዋሚ ነባሪ ህዝቢ፡ ንጡፍ መንግስታዊ ምሕደራ፡ ብቕዓት ናይ ወጻኢ ርክባት ኣመስኪሩ ልኡላውነት ሃገሩ ብናይ ጎረባብቲ ድልየት ጀሆ ክተሓዝ ኣይክእልን። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ 1993 ኤርትራ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ምስ ተጸንበረት ንኽትዕ ዕድል ብዘይህብ መገዲ ተረጋጊጹ እዩ። ምስ ታይዋን ወይ ምብራቕ ጀርመን ንምንጽጻር ዘመሳስል ወይ ዘራኽብ የብሉን። ኤርትራ ብዋንነት ዝካትዑላ ወይ ብምርድዳእ ትተሓናፈጽ ሃገር ኣይኮነትን። ኣፍልጦ ኣባልነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ኣብ ሕጋውን ፖለቲካውን ተሞክሮታት ኣፍሪቃ ዘየማትእ ንጹር ልምድታት ዘለዋ ሃገር እያ። መግለጺ ካይሮ ተባሂሉ ዝዝከር፡ ኣብ 1964 ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝተነጸረ ሕንጻጽ፡ መግዛእታዊ ዶባት ከም ዝነበሮ ክቕጽል’ዩ ወሲኑ። እቲ ናይ ሽዑ ውሳነ ነዚ ሕጂ ኢትዮጵያ ተርእዮ ዘላ ግህሰት ንምክልኻል ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ ነይሩ። ኢትዮጵያ፡ ምስ ኬንያ፡ ሶማልያን ሱዳንን ዘለዋ ዶባት በዚ ኣፍሪቃዊ መትከላት ክትሕልዎ እንከላ ሕጋዊ ወሰናት ኤርትራ ምቕባል እትሕሰመሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይክእልን።
ብኹሉ መለክዒታት፡ ኤርትራ ነቲ ናይ ሞንተቪደዮ ሚዛን ዘማልእ ብቕዓት ኣለዋ። ካብ ከበሳን መታሕትን ደሴታታን ብዝቘመ ቀዋሚ ነባሪ ህዝባ፡ ብቓልሲ ቅርሲ ሒዙ ዝወጸ ጥሙር ሃገራዊ መንነት ኣለዋ። ግዝኣታዊ ምድራ ብዓለም ለኻዊ መንጎኛነት ብፍላይ ድማ ብኮምሽን ዶብ ኤርትራ-ኢትዮጵያ ብቐያድን ወሳንን ውዕል ኣልጀርስ ዝተፈልጠ ኣብ ውዕላት መግዛእታዊ ዶባት ዝተሰረተ እዩ። ብደረጃ ሃገር ዝተዘርገሐ ጽፉፍ ምሕደራ ዘለዎ መንግስቲ ኣለዋ። ናጻ ኣገልግሎት ሕክምናን ትምህርትን ይህብ። ጸጥታ እውን የውሕስ። ብማእከላይ ዓቕሚ መነባብሮ እናሓለፉ ሃገር ዘማሓድሩ ሓላፍነታውያን ብዘርእዩዎ ጸረ ብልሽውና መርገጻቶም ኣብዚ ብግዕዝይና ስልጣን ዝበሽቀጠ ዞባ ፍሉያት ይገብሮም። ኤርትራ ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ብቕዓት ዘለዋ ከም ምዃና ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓያሎ ካልኦት መሻርኽትን ተጻሚዳ ትዓዪ።
ኢትዮጵያ ክትሰግሮ ዘይትኽእል መምዘኒ ከኣ እዚ እዩ። ዝተጋነነ ታሪኽ ብምጽብጻብ ዘይኮነስ ብናይ ምሕደራ ብቕዓትን ናብራ ህዝቢ ብምርግጋእን ጸጥታ ህዝቢ ኣብ ምውሓስን እዩ ብቕዓት ሃገርነት ዝምዘን። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ከበባ እንከላ እዚታት ብተግባር ኣርእያን ኣመስኪራን እያ። ክንየው እቲ ዝልገሰላ ቢልዮናት ዶላራትን ጃህራ ጥንታውነትን ህዝባ ክትምግብ ዘይከኣለት፡ ዶባታ ብዘይ ግጭት ክትሕሉ፡ ህዝባ ብሰንኪ ምምዝባል ካብ ቀጻሊ ሕንፍሽፍሽ ከተድሕን ዘይትኽእል ኢትዮጵያ እያ። ኤርትራ ንመዐየሪ ሞንተቪደዮ ኣጣጢሓ ክትሰግሮ እንከላ ኣብ ኩለን እተን ዝጥለባ ነጥብታት ሰንደልደል ኢላ ዝወደቐት ግና ኢትዮጵያ እያ።
ኤርትራ ፋኑስ ቅሳነትን ተስፋን
ዓንኬል ቅልውላው እናተባህለ ኣብ ዝጽዋዕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ፍልይቲ ኮይና ትርከብ። ካብ ጥሩፍነት ዝከላኸል ደጎል ሽሕ ኪሎሜተር ገማግም ባሕራ ኣብ ዞባዊ ጸጥታ ስትራተጂያዊ ኣተኣማማኒ መልሕቕ ኮይኑ ኣሎ። ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ነፍስሄር ዋረን ክሪስቶፈር ንኤርትራ ብኸምዚ ገሊጹዋ ነይሩ።
ንሱ፡“ኣብ መንጎ ዓሌታት ንሓድሕዶም ዝጣፍኡላ ሶማልን ኣብ መንጎ ብሃይማኖታዊ ውግእ እትላባዕ ሱዳንን፡ ኤርትራ ፍልይቲ ናይ ሰላምን ቅሳነትን ሻኻ እያ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተወለዐት ናይ ተስፋ ሽግ እያ” እናበለ ዝገለጾ ኣበሃህላ ሎሚ እውን ሓቂ እዩ።
ኤርትራ ፍልይቲ ዝገብራ ፈተናታት ስለ ዘየጋጥማ ዘይኮነስ በዲሃ ክትፈትሖ ትጥቀመሉ ሜላ እዩ። ጎረባብታ ሃገራት ካብ ዝፍለጣሉ ጽግዕተኛነትን ብልሽውናን ናጻ ዝኾኑ መራሕቲ ኣለዉዋ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብቢልዮናት ዶላራት ኣብ መዓላ ውግእን ኣብ ውልቃዊ ረብሓን ክሕሸሸ እንከሎ፡ ኤርትራ ንናጻ ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕናን ጸጥታ ኣብ ምውሓስን ልዑል ኣተኵሮ ሂባ እያ ትቕጽል ዘላ። መራሕታ ንልኡላውነት፡ ሰላምን ሃገራዊ ስምረትን ቀዳምነት ሂቦም ኣብ ህንጻታት ቤተ መንግስቲ ዘይኮነስ ከም ተራ ዜጋ ምስ ህዝቦም ይነብሩ።
ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ክትፍተሽ እንከላ ኣብ ኣፍጋኒስታን ምስ ዘሎ ኩነታት ብዝዳረግ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ተመዛበልቲ ይርከቡዋ። ብበሰላታት ዓጸቦ ዝፍለጥ ታሪኽ ኣለዋ። ኣብ 2024 እንተርኢና ኢትዮጵያ ካብተን ቀዳሞት ተቐበልቲ ረድኤት ዝኾና ሃገራት ከም ዝነበረትን ሕቡራት ሃገራት 15 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንምቕላብ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ረድኤት ከም ዝሓተተን ይዝከር።
መዛግብቲ ውግእን ምዝመዛን እንክፍተሽ
ኢትዮጵያ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዘሕረኽርኻ ነገር እንድሕር ሃልዩ፡ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ ዘስዓበ ናይ ጎበጣ ታሪኽን ቁጠባዊ ዝምታን መልሲ ክትህብ ክትዳሎ ኣለዋ። ኤርትራ ካብ 1962 ክሳብ 1991 ባህርያዊ ጸጋታታን ሃብታን ግዝኣታዊ ክብራን ይጕሕጓሕን ይዓኑን ነይሩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምዕቡላት ካብ ዝነበራ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ካብ ጉምሩኽን ክፍሊት ኣገልግሎት መራኽብን ብሚልዮናት ዝቝጸር ኣታዊ ትሓፍስ ነይራ። ኣብ ሰብዓታት፡ ካብታ ዓመታዊ ካብ 3.5 ክሳብ 4 ሚልዮን ቶን ጽዕነት ዝመሓላለፈላ ዓሰብ ዝርከብ እቶት ኣብ ክንዲ ናብ ኤርትራ ናብ ማእከላይ ግምጃ ቤት ኣዲስ ኣበባ ይለኣኽ ነይሩ። ኢትዮጵያ ምስ ወጻኢ ኣብ እተካይዶ ዝነበረት ንግዲ፡ ካብ ወደባት ኤርትራ ብዝርከብ እቶት ናይ መራኽብ ኣገልግሎትን ክፍሊት ትራንሲትን ትድጉሞ ምንባራ መጽናዕትታት የረድኡ።
ኣብ ዝሑል ኲናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም መጸናጸኒ ነቝጣ ንእትጥቀመሉ ዝነበረት ኣብ ኣስመራ ተደኲኑ ዝነበረ መዓስከር ቃኘው ካብ እትኸፍሎ ክራይ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቝጸር ዶላራት ትቕበል ምንባራ መዛግብቲ የረድኡ። ካብ መወዳእታ ሱሳታት ክሳዕ ሰብዓታት ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ ናይ ቃኘው ክራይ ንኤርትራ ክወሃብ ዝነበሮ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ካብ 40 ክሳብ 60 ሚልዮን ዶላር እናወሰደት ባጀታን ወተሃደራዊ ዓቕማን ተማዕብለሉ ነይራ።
ኣብ ክፍላ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ትካላት ፍርያት ክዳውንቲ፡ ፋብሪካ ቢራ፡ ካብ ከባቢ ሃገራት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝርከብ መገጣጠሚ መካይን እናተማሕወ ተወሲዱ። ኣብ ኣፍረይቲ ትካላት ዝነበሩ ኢንዱስትርያዊ መሳርሒታት እናተወስዱ ኣብ ኢትዮጵያ ተተኺሎም። ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተዀልፈ ኣብ ዱባርዋ ተተኺሉ ዝነበረ ኒፖን ዕደና ነሓሲ ካብ 1970ታት ኣትሒዙ ንኤርትራ ብኢንዱስትርያዊ ጐሓፍ እናበከለ ዝኸፍሎ ኣታዊታት፡ ካዝና ናይ ኢትዮጵያ የኻዕብት ነይሩ። ኣብ ግዜ ጎበጣ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ድሕሪ ናጽነት ንሽዱሽተ ዓመት ናይ ኢትዮጵያ ብር ከም ሕጋዊ ባጤራ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ የገልግል ነይሩ። ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ብብር ይኽፈሉ ነይሮም። ንግዲ ብብር ይካየድ ነይሩ። ኣብ ባንኪ ዝኽዘን ናይ ውልቂ ገንዘብ እውን ብብር ይቕመጥ ነይሩ። ኣብ ሕዳር 1997 ድማ ኤርትራ፡ ናቕፋ ዝተባህለ ሃገራዊ ባጤራ ኣተኣታትያ። ካብ ግዜ መግዛእቲ ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዑደት እናገበረ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ተኸዚኑ ዝጸንሐ ብር ድማ ብናቕፋ ተተኪኡ። ዓለም ለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ናቕፋ ቅድሚ ምዝርግሑ ኣብ ዘውጸኦ መብርሂ እቲ ኣብ ባንኪ ዝጸንሐ ሃብቲ፡ ኢትዮጵያ እትዓድዮ ናይ ኤርትራ ንብረት ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኢትዮጵያ ብዝሓተተቶ መሰረት ዓለማዊ ባንኪ ክሽምግል ተቐሪቡ ነይሩ። ኢትዮጵያ ልኡኻታ ስለ ዝሰሓበት ግና ፍታሕ ከይተረኽቦ ተዓጽዩ። ክሳዕ ሎሚ እቲ ባጤራ ብር ፍታሕ ከይተረኽቦን ከይተኸፍለን ኣብ ማዕክናት ተኸዚኑ ይርከብ። ጥልመት ኣዲስ ኣበባ ብቐጻሊ ዘዘኻኽር ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ።
ዝገደደ ከኣ ህግሓኤ ኣብ መወዳእታ ቅንያት 1991 ናብ ኣስመራ ገጹ ኣብ ዝግስግሰሉ ግዜ፡ ሰብ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ተኸዚኑ ዝነበረ ናይ ኤርትራውያን ብሕታዊ ቅሙጥ ገንዘብ ጓሕጒሖም ብምውጻእ ናብ ካልእ ኣግዒዞምዎ። ስድራቤታት ዕድመኦም ምሉእ ኣጠራቒሞም ብእምነት ኣብ ባንክታት ኣስመራ፡ ከረንን መንደፈራን ዘቐመጥዎ ገንዘብ ንሓዋሩ ናብ ኢትዮጵያ ተወሲዱ። እዚ ቃልዕ ዝወጸ ዝምታ’ዚ ክሳዕ ሕጂ ፈውሲ ዘይተረኽቦ ኢትዮጵያ ትሕተተሉ ተወሳኺ ክፉት ቁስሊ እዩ።
ኣብ ርእሲ እዚ ቁጠባውን ፋይናንሳውን ገበናት ኲናት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ከተማታትን ገጠራትን ካብ ኣየር ብናፓልን ክላስተር ቦምብን ብምድብዳብ ዝፈጠሮ ከቢድ ዕንወት እውን ኣሎ። ኣብ 1990 ከተማ ባጽዕ ሓራ ምስ ወጸት ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ ብከቢድ ደብዳብ ናብ ዑና ቀይረናኣ። ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ እውን ተቐቲሉ። ኣብቲ 30 ናይ ቃልሲ ዓመታት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ዝተቐተለን ዝሰንከለን ህዝቢ፡ ካብ መበቈላዊ ምድሩ ተማሕዩ ብግዲ ዝተሰደደ ኣማኢት ኣሽሓት እዩ።
ዝቐደመ ዓለም ለኻዊ ተመኵሮታት ንጹር ዝኾነ ኣብነት ክህበና ይኽእል እዩ። ኣብ 1990-1991 ዒራቕ ንኩወይት ወሪራ ምስ ሓዘት ብሃገራት ምዕራብ ብዝምራሕ ዓለም ለኻዊ ወተሃደራዊ ክተት ተገሊዓ ከም ዝወጸት ይዝከር። ድሕሪ እቲ ውግእ ብሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ናይ ካሕሳ ኮምሽን፡ ኣብ ኩወይት ንዝወረደ ዝምታን ቁጠባዊ ዕንወትን ስቓይ ህዝብን፡ ዒራቕ 50 ቢልዮን ዶላር ክትክሕስ ኣገዲዱዋ። በዚ ፍትሓዊ ኣብነት እዚ፡ ብጎበጣ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተዘምተ ኣታዊታት ወደብ፡ ዝተበልዐ ክራይ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ፡ ዝተወስዱ ኢንዱስትሪታት፡ ዝተሰርቁ ናይ ባንክ ሕሳብን ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናትን ኤርትራ ካሕሳ ክትሓተሎም ግቡኣ እዩ።
እቲ ኩሉ ዕንወትን፡ ቁጠባዊ ዝምታን፡ ገንዘባዊ ስርቂን ውጽኢት ሓደጋታት ውግእን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ምስ ዝቕባበ ገንዘብ እናተመዓራረየ፡ ብናይ ሎሚ ግምት፡ ኢትዮጵያ ብዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላራት ካሕሳ ክትህብ ክትሕተት እያ። መደምደምታ ናይዚ ኩሉ፡ ኢትዮጵያ ናብ ዘይተምልጠሉ መንቀራቕሮ እዩ ዘብጸሓና። ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ናብ ልዝብ ዝቐርብ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ክትዓድዮ ኣብ ዘለዋ ካሕሳ ግና ዘይተርፍ ልዝብ ይጽበያ ኣሎ። ኤርትራ ካብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣፍልጦ ምጽዋት ኣይትጽበይን እያ። ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ዝምታ፡ ስርቅን ውግእን ናይ ዘስዓበቶ ዕንወት ምጽብጻብ ግን ክትቅበሎ ኣለዋ።
መዛዘሚ
እዚ፡ ኣብ ክሳድ ሰልፊ ብልጽግና ክሃርም ዝተዳለወ ሰይፊ ዲሞክለስ እዩ። ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዓልቦ ንዝበጽሐ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተናኽፍ እንድሕር ኮይኑ፡ ኤርትራ ድማ ካብ 1952-1991 ዝነበረ መዛግብቲ ክትፍትሽ ምሉእ መሰል ኣለዋ። ናይ ቃላት ጥራይ ዘይኮነስ ሕጋዊን ፋይናንሳውን ኣጸባጻብ ክንገብር ኢና። ነቲ ነቕነቕ ዝብል ተኣፋፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለኻኽም ከኣ ክኸውን እዩ።
ሰነዳት ንጹር እዩ። ንሰላሳ ዓመት ኢትዮጵያ ኣታዊታት ወደባት ኤርትራ ዘሚታቶ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸር ክራይ መደበር ቃኘው ኣመሪካ ሰሪቓቶ፡ ትካላት ፍርያትን ኢንዱስትሪታትን ምሕያ ወሲዳ፡ ማዕድናት ጓሕጒሓ፡ ብዓለም ለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ፍሉጥ ዝኾነ ውንዙፍ ናይ ባጤራ ብር ዕዳ ከዚና ኣላ። ኣብተን ናይ መወዳእታ መዓልታት ቅድሚ ናጽነት፡ ቅሙጥ ሕሳብ ኤርትራውያን ኣግዒዛ። ብናፓልን ክላስተር ቦምባን ዓድታትን ከተማታትን ኣዕንያ። መዓልታዊ ኣሽሓት ዝቚጸር ቦምባ እናደብደበት ከተማ ባጽዕ ክሳብ ትባድምን ብኹምራ መቓብራት ህዝቢ ክሳብ ትኽደንን ኣዕንያታ።
ብኹሉ ዓለም ለኻዊ ተመኵሮ ወሲድና ኩወይት ካብ ዒራቕ፡ ናሚብያ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይግባኣና ዝበለኦ መሰል ካሕሳታት ኤርትራ ከኣ ብዘይውልውልን ብዘየማትእን መሰላ ክትጥቀመሉ እያ። ኢትዮጵያ ብዓቃባዊ ግምት ብዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ዕዳ ይጽበያ ኣሎ። እንድሕር እቲ ዝተሰብረ ዕድላት ኣብ ግምት ኣትዩ ካብዚ ንላዕሊ ብዙሕ መጠን ክትሕተት እያ። ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን። ክንየው ሓለምትን ጠለምትን፡ ዘይሕከኽን ንዘልኣለም ነባርን እዩ። ናጽነትና ክቡር ደም ዝኸፈልናሉን ብሰማእትነት ከኣ ዘውሓስናዮን ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተኣመነሉን እዩ። ናጽነት ኤርትራ፡ ካራ ብምውጥዋጥ ይኹን፡ ብፈኸራታት ወይ ናይ ዓቕሊ ጽበት ጭርሖታት ኣፍልጦ ምስራዝ- ዘይምስራዝ፡ ክሕከኽ ዘይከኣል ሓቂ እዩ። ኤርትራ ብታህዲድ ክትንብርከኽ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። ኤርትራ ትሽቝረረሉ ወይ ትፈርሖ ፈኸራ የለን። ልኡላውነታ ማንም ዘይተናኽፎን ዘይስበርን እዩ። ኩሉ ጃህራታት ኣብ ትሕቲ እግሪ ኤርትራ ይሰባበርን ይሕምሸሽን እምበር ኣይዕወትን። እዚ፡ ታሪኽ ኤርትራውያን ዝምስክሮ እዩ። ነዚ፡ ኤርትራውያን ብናይ ሰላሳ ዓመት ቃልሲ ከቢድ ዋጋ ከፊሎም ዘውሓስዎ ናጽነት ከፍርስ ዝኽእል ሓይሊ የለን። ኤርትራ ንሓዋሩ ኣይትንብርከኽ፡ ኣይትናወጽ፡ ኣይትድፋእን፡ ብጽንዓት ከኣ ትነብር።
@shabait) on X