Dehai Message Board (DMB)

Yonatan Solomon
Oct 14, 2025 3:02 AM
107.77.89.89

ኣብ ኤርትራ ናይ ቅርጺ (ጂኦሜትሪ) ምር ኢት (ኤግዚቢሽን) ንምውዳብ ይሰርሕ ኣለኹ፡ ኣመጻጽኣ ፊደላትን ቁጽርታትን፡ እንተላይ ግዕዝ (ኤርትራዊን ኢትዮጵያን ንጥቀመሎም) ዋላ ናይ ላቲን፡ ዓረብኛን፡ እብራይስጥን ግሪኽን ፊደላት፡ ከምኡ’ውን ምስ (ጂኦሜትሪካዊ) ቅርጽታት፡ ቅጥዕታትን ጥንታዊ ፍልጠትን ብኸመይ ከም ዝራኸቡ ዝድህስ ትምህርታውን ባህላውን ፍጻመታት ዘተኮረ የተሓሕዝ።

እዚ ምርኢት እዚ፡ ኣብ መንጎ ሕሳብ፡ ቋንቋን ስነ፡ጥበብን ኣብ መንጎ ስልጣነታት ዘሎ ዓሚቝ ምትእስሳር ንኽፈልጥ ድሌትን ኣድናቖትን ንምልዕዓል ዝተዳለወ እዩ። ንተማሃሮ፡ ተመራመርትን ሕብረተሰብን ነቲ ኣብ ቅርጺን (ጂኦሜትሪን) ስርዓተ ጽሕፈትን ዝተሰረተ ናይ ሓባር ሰብኣዊ ውርሻ ዳግማይ ንኽረኽብዎ ዕድል ክህብ እዩ።

እዚ ምርኢት ስነ፡ጥበብ ናብቲ ጥንታዊ ጊዜ ስለ ዓለም ይመልሰካ ኮይኑ ክስምዓካ፡ ብናይ ሳባዊ ጽሑፋትን ባህላዊ ጽልዋታትን ነቲ ቀዳማይ ርክብ ደቂ ሰባት ዝቐረጸ ጉዕዞ እዩ። በጻሕቲ ኣብ መንጎ ስነ፡ጥበብ፡ ፊደላትን ብቅርጽን (ጂኦሜትሪን) ቅርጻዊ ህያው ዝኾነ ቁጽርታትን ዘሎ ምትእስሳር ክርእዩን ክስምዖምን ዝኽእል፡ መስተንክር፡ ምጥሓል ተመክሮ ክኸውን እዩ።

ነዚ ምርኢት ንምውዳብ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝተፈላለዩ መሻርኽትን ብምትሕብባር፡ ትምህርታዊ ጽምዶ ንምጥንኻርን ዋጋ ባህላዊ ትምህርቲ ቅርጽታትን (ብጂኦሜትሪን) ስነጥበብን ንምዕባይን ዝዓለመ ክኸውን እፈቱ።

ነዚ ተበግሶ ዕዉት ንኽኸውን ክትሓባበሩና ሓገዝን ደገፍን ኣዝየ እየ ከይፍለየና ቡዙሕ እዩ ተስፋና። ብፍላይ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ኤክስፖ ኤርትራ ንምርኢት ፍቓድን ቦታን ክንረክብ ንጽፎ።

ቤተ መዘክርና ብዘለዎ ተወፋይነት ንስነ-ጥበብን ታሪኽን፡ ከምዚ ዓይነት ምርኢት ኣብ ምዕባይ ባህላዊ ምልውዋጥን ሞሳን ክሳብ ክንደይ ትርጉም ዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ፍሉይ ኣረኣእያን ርድኢትን የቕርብ።

ነዚ ኣገዳሲ ትምህርታውን ባህላውን ፕሮጀክት ኣብ ምድንፋዕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክተሓባበር ክብሪ ይስምዓኒ። ስለቲ ግዜኹምን ሓልዮትኩምን የቐንየልና።

ብቕንዕና፣
ዮናታን ሰሎሞን

ስእለ
Oct 13, 2025 1:42 PM
108.45.183.178
ሰብ ድዩ ዋጭል፧
==========
ዓብዪ 'ዚ ሕንጫል
ብቕዓት-ኣልቦ ወዛል
ዜሮ ክብሪ ሚዛን
ሰብ ድዩ ውጫል፧

ዘይኮኖ ክመስል
ዝሃልኽ ዝጽዕር
ንፉስ ዘየስተውዕል

ሕሉፍ ደረቐኛ
ዕሸል ኣበረኛ
ዘይብሉ ሕልና
ሓሊሙ 
ክውንን ባሕርና
መሬትና ወደብና

ብሓይሊ ብዊንታ
ወደብኩም ሃቡንስ
ጥዕናዶ ሃለፍታ፧

ናይ ዘበና ዕንዱ
ኲናት'ዩ ኣዉጁ
ከሐጽር ሺመቱ

ጎበዝ ዘይተገርዐ
ታሪኽ ዝዘንግዐ
ሕልሙ ዝቖለዐ

ዝገርም'ዩ!

ሂወት ዝበለዐ
ኣሺሓት ዘምበዐ
መኸተ ቃልስና
ናይ ትማል ናይ ቀደም
ከመይ ይርስዖ እዚ ዘርኢ መርገም፧
ስእለ
Oct 12, 2025 4:26 PM
108.45.183.178
ወይ ጸገም!
======
ወይ ጸገምምም!
ዕድል ድዩ መርገም፧

ጉድ እኮ ረኺብና
ሰላም ሓርቢቱና
በዛ ጎረቤትና

መራሕቲ ኢትዮጵያ
ናይ ዓመጽ ኣርኣያ
ካብ ሃይለስላሴ ክሳብ ደርጊ
ወያንያዊ ስርዓት ጸቢብ ርእሲ
'ቲ ቆልዓ በሻሻ ተላኣኺ
ዝነበሩ ኩሎም መሳፍንቲ
ስርዓት-ኣልቦ ወረርቲ ዓጠርቲ 
ኣብ ሊዕሌና ዘውረዱ መቕዘፍቲ

ስኒት ሰላም ፍጹም ዘይስቆሮም 
ሕጊ ዉዑል ዘይፈልጡ ኣኽቢሮም
ዘራፍ ይብሉ ዋላ ተሳዒሮም  

ኣስሓኮ ዘይብሎም ተቛመርቲ
ምስ ኩሉ ጎረቤት ተናኸስቲ
ዘይእመኑ ጠላማት ወቀርቲ 

መዋእል ኮይንዎም ክወሩ ክዘምቱ
ጥሓርናኩም ክብሉ ሰብ ድሓን ከጽንቱ
ራህዋ ምዕብልና ገዲፍዎም ከይዱ
 
ክንዲ ጻዕሪ ኣብ ስራሕ ዘድህቡ
ፍቕሪ ሰላም ስኒት ዝሕብሕቡ
ኲናት ውግእ ህውከት ይዝሙሩ

ዘሐፍር'ዩ!

መራሕቲ ኢትዮጵያ፡
ኣብ ፈጠራ ታሪኽ ዝዕንድሩ
ዝሓለፈ ዕንወት ዘይዝክሩ
ወርትግ
ኣብ ወራር ኣብ ዓመጽ ጋም ማን ይብሉ
ስእለ
Sep 28, 2025 5:47 PM
108.45.183.178
"ዓዲ ዋዓሉ!"
=======
ዝገርም'ዩ ዘሐንኽ
ጽውጽዋይ እዝንኻ ዝዅርኵሕ 
ንኽትሰምዖ ዘቖጥዕ ዘፍልሕ

እዚ ግብዝ ዝብል ዘሎ ትልኽ
ዝተጸልአ ብህዝቡ ብሰፊሕ
መልሓሰኛ ክምድር ዘይሓንኽ
የማራስሕ ኣሎ ንሓቂ ንታሪኽ
ታሪኽ ኤርትራ ካብ እምባ ዝብርኽ
ወርቂ ጥማዕ ዘይብሉ ሕርኽርኽ

ይብል ኣሎ ክወርር'የ ብግብሪ
ናብቲ ቀይሕ ባሕሪ መሬት ሕድሪ
ርስቲ ኤርትራ ዝተኸፍሎ ክብሪ
መስዋእቲ ጀጋኑ ዘየብሉ ቍጽሪ  

ብልጽግናዶ ብዕልግና፧

ጥራሕ ወዓላ! 
ኣብኣ ትረኽባ! 
ከምቶም ዝሓለፉ ጭፍራ
ሓደ ድሕሪ ሓደ በብታራ
ኣብ ሳሕል በረኻ መሬት ኤርትራ

ስለዚ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ መንግስቲ ሰልፊ ብልጽግና፡ ክትሓልሙ ክትምነዩ መሰልኩም እዩ። ክሳብ ሕልምን ትምኒትን ነጻ ዝኾነ። ግና "ሕልሚ ኣየናብር፡ ማይ ኣይስምብር" እዩ'ሞ ካብ ሕልምን ትምኒትን ተባራቢኩም ኣብ ክውንነት ኣሚንኩም ክትነብሩ እቲ ዝሓሸን፡ዝበለጸን ዝሰልጠነን መንገዲ እዩ። ብፍላይ ንዓኹም ብዓብይኡ ድማ ንህዝብኹምን ንሃገርኩም ዘርብሕ እዩ።

ብዝተረፈ ብሓሶት፡ ብምጉዕባዕን ብናይ ልቢ-ወለድ ታሪኽን ዝርከብ ወይ ዝውነን ባሕርን መሬትን የለን።

እንተ ንሕና ኩልና ኤርትራውያን ንመሬትና፡ ንባሕርናን ንሰማይናን ከም ቀደምና ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ኩነት ከንኽብር ድልዋት ኢና።

ስለዚ ካብ ኲናትን፡ መንገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ስጉምቲ ተቖጠቡ። "ዓዲ ዋዓሉ!" ብሕግን ስርዓትን፡ ዉዑላት ዓለምን ተገዝኡ። ንናይ ሓባር ዕብየት ሕሰቡ።

CharlesDer
Sep 18, 2025 9:03 AM
91.84.103.183
Hello. And Bye.
ስእለ
Sep 4, 2025 9:18 AM
108.45.183.178
ዕንዱ ኣስተውዕል!
==========
ዕንዱ ወጠጦ ቆልዓ በሻሻ
ታኒካ ባሕሪ ዘይብሉ ጣቋ
ንኲናት ወራር ክንድዚ ዒግታ
'ታይ'ዩ 'ቲ ሓቂ እቲ መኽሰብካ፧

ታሪኽ ተወከስ ሓሶት ገዲፍካ
ዘይናትካ ምድላይ ኣለዎ ዕዳ
ሂወት ዝቐዝፍ ዘይትመን ዋጋ

ክልተሳዕ ሕሰብ ዕብዳንካ ኣቋርጽ
ብተንኮል ሸርሒ የለን ዝሰልጥ
ካብ ህውከት ኲናት ሰላም ይበልጽ

ዕንዱ ኣስተውዕል! ትዕግስቲ ግበር
ውሽጥኻ ፈትሽ ዓቕምኻ ምዘን
ዕንወት ዝዕድም ገበን ኣይትግበር

ንብለካ ኣለና ሕሰብ ተኣደብ
ወረራ ኲናት የብሉን መኽሰብ
ኣብ ሃገር ህዝቢ ኣለዎ ሰበብ

ሎሚ ብሂወት ጽባሕ ምስ ሞትካ
ወለዶ ታርኽ ክዝክረካ
ትጽቢቱ መልስ ሰላም ኣንጊስካ

እንተ ንሕና ኤርትራውያን ኩልና
ከም ትማሊ ከም ቀደምና
ንመሬትና ንባሕርና 
ንነጻነት ንኽብርና
ዋጋ ክንከፍል ድልዋት ኢና
ስእለ
Sep 3, 2025 12:28 PM
174.250.49.141
ሳላ ገምቢ ተውጊኑ ዘርጊ
======•••======
"ዝብኢ ክትቀትል ገምቢ ተጸጋዕ"
እወ
ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ
ኣብቲ ኽባ ኣብቲ ወጥሪ
ኣብቲ ማዕቀብ ቀታል ሕልሚ 
ከምኡ እንዲና ገርና
ገምቢ ተጸጊዕና
እንዳሸተተና
ጉዳይና ኣሳሊጥና

እወ
ዲሂኽና ኣባይና 
እቲ ደመኛና
ዝወጠነ ጥፍኣትና
ዝደፈረ ክብርና
መሬትና ንብረትና

ክሳብ ዝሰልጠና
ዓቕሊ ጠባይ ገርና
ፍሺኽ እንዳበልና
ኣፍንጫና ሒዝና
ገምቢ ተጸጊዕና
ቀጺዕና ኣባይና
ኣውሒስናዮ ዶብና

ምስ ገምቢ
'ቲ ነቲሕ ሸታቲ
ወጊናዮ ዘርጊ

እንተ ገምቢ
ኣይገበረን ለውጢ
ኩሉ ሪሒቕዎ 
ብጀካ ዓመጽቲ
ስሱዓት ከተርቲ

ዕንዱ (ገምቢ)
የዕገርግር ኣሎ ይሕሱ
ክዘምት'የ ይብል ዘይመሬቱ
ወደብ ባሕሪ ንብረት እንዳማቱ
ናፊቕዎም ግዲ ሰማእታት ጎይተቱ
ነበረ ዝኾኑ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ
ኣብ ሺረ ተምቢኤን ምስ ኣዘዝቱ
ስእለ
Aug 29, 2025 6:58 PM
108.45.183.178
ጎብለል ንበር
 =======
ጂግና ሓርበኛ
ወዲ ሰውራ
ንበር ዘልኣለም
ብዘይቀልዓለም

ዝበጣጠስካ፡
ሸርሒ ጸበባ 
ኲናት ወረራ
ናይ ስግር ሩባ

ንኡድ!

በሊሕ መላጸ
ስዕረት ዘቕበጸ
ፈንፋኒ ሕንጸ

ሃሱስ ከንደልህጽ
ስምካ ክልሕጽጽ
ወይከ ድምብርጽ

እወ!

ፈታዊ ሓቂ
ፍቱን ከም ወርቂ
ጸያኒ ስርቂ

መንዩ ኣይትበሉ
ጂግና'ዩ ስሙ
መኸተ ወኑ
ዉፉይ ኣብ ኩሉ

ቀትሪ ይዅን ልይቲ
መሬት ትዅን ዕንቊ
ዘይርበሽ ሳሕቲ

ንበር!  
በዓል ቁምነገር
ኮርዒዳ ሃገር

ሎሚ ዘልኣለም
ስምካ ይዘከር
ኣብ መላእ ሃገር

ጎብለል!

እቲ ትምኒትካ
 ሕልሚ ራኢኻ
ትጽቢት ህዝብኻ
ጋህዲ ክኸውን
ከምታ ቀደምካ
ቀጽል ጉዕዞኻ

እንተ
ነቶም ዓጣሮ
ዒፈል ቁንጣሮ
ሓሳቦም ዜሮ
ሕማም መንሺሮ
ኣይተቕልበሎም
ክብሪ ከይኮኖም
Yonatan Solomon
Aug 20, 2025 8:24 PM
107.77.83.22

Mathematics For Invention

Unlocking Eritrea’s Future Through Math: A New Approach to Learning

Dear Families and Educators,

Math is so much more than just addition, subtraction, or even calculus. It is a powerful language of logic, reasoning, and discovery that has shaped human progress for centuries. Yet, many students in Eritrea face challenges in math because the true foundations of the subject are often missing from classrooms.

Why Does This Matter?
Many teachers themselves were never taught the deeper meaning behind math—the history, the reasoning, and the critical thinking skills it can develop. Without this foundation, students struggle to see the purpose behind what they’re learning and miss the chance to truly excel.

Bringing Math’s History to Eritrea
Math has a rich history that connects numbers, variables, and geometry with culture and science. Over the past 360 years, Western methods of graphing and notation have evolved, sometimes overshadowing the origins and the cultural significance of these concepts. Rediscovering this history allows Eritrean students to connect math to their own heritage and see themselves as part of this grand story.

Why Number Theory?
Number theory—the study of numbers and their properties—is called the “queen of mathematics” because it teaches logical thinking beyond simple calculations. This deep understanding builds mental agility and confidence, skills essential for success in science, technology, and competitive academics.

How Can You Help Your Child Thrive?
Parents, if you want your child to move beyond memorizing formulas and build real confidence in math and science, consider personalized tutoring focused on logic, reasoning, and mental calculation. This approach prepares students for elite universities, competitions, and future careers.

Join Me This Summer!
I’m Yonatan, a passionate tutor dedicated to advancing Eritrea’s math education. My summer-exclusive sessions focus on number theory and mental math mastery—no calculators, just deep understanding and logical thinking.

Together, we can unlock your child’s potential and inspire a new generation of thinkers who will drive Eritrea’s growth in science and technology.

Interested?
Send me a direct message to learn more about how these sessions can help your child rise above rote learning and embrace the true power of math.

Let’s connect the dots—history, logic, and numbers—to build a brighter future for Eritrea.

Warm regards,
Yonatan
Math Tutor & Education Advocate
yonatanmath@gmail.com
ስእለ
Aug 16, 2025 10:27 AM
108.45.183.178
ልበይ ሰፈራ
=======
ኤሩ ሃገረይ ልበይ ሰፈራ
ኩርዓተይ ክብረይ ዝንየተላ
ዝሃርፋ ኩሉ ወይኒ ዘለላ

ትማሊ ደመይ ርሃጽ ኣካለይ
 ኩሉ ዕድለይ ሂወተይ ዕምረይ
ዘወፈኹላ ንኽትከብርለይ

ዝለገስኩላ ትምኒተይ ሕልመይ 
ዝመጠኹዋ ተስፋ እምነተይ
ሎሚ ዘልኣለም ናተይ'ያ ናተይ

ኤሩ!

ክብርኺ ይስፋሕ ተሰለምለይ
ዘይጉነጽ እምባ ጸሓይ ኩንለይ
ሞይተ ሃልየ እስኺ ዓለመይ
ኣብ ህላዌኺ ይጎልሕ ስመይ
ስእለ
Aug 16, 2025 10:22 AM
108.45.183.178
ጽሉልኩም ሓዙ
=========
ወዲ በሻሻ ሓሚሙ'ዩ ተጸሊሉ
ኢትዮጵያውያን ድሃዩ ግበሩ
እዚ ቆልዓ ሓዝዎ እሰሩ
ውሰድዎ ናብ ሓኪም ዶክተሩ
እለይዎ ካብ ስልጣን መምበሩ
ከይትፈርሱ ኤርትራ ወሪሩ
ከይትኾኑ ከም ሃገር ነበሩ

ዝሓለፈ ሞት ዕንወት ዘክሩ
ካብ ሕሉፍ ጌጋኹም ተማሃሩ
ዓመጽ ወራር ወግዱ ኮንኑ

ዘይናትካ ምጥማት ቶባ በሉ
ኢትዮጵያ ዘትረፈ ድሕሪ ኩሉ
ሰብ ራኢ ሃገራት ለኪሙ
Yonatan Solomon
Jul 29, 2025 7:18 PM
107.77.89.91

Invention -Mathematics

Since 1992, I have consistently emphasized the importance of mathematics to the Eritrean community through social media platforms and newsletters. While acquiring mathematical skills is crucial, I believe that understanding the history of mathematics is equally—if not more—important. Over the past 360 years, Western changed have significantly how mathematics should be graphed particularly its graphical representations using x and y-axis which made math very abstract and difficult to apply it, it best to know the old way of graphing. By gaining a deeper insight into these historical shifts and the true nature of mathematics, Eritrea has the potential to unlock exponential economic growth and development. Recognizing and embracing this knowledge can empower Eritreans to build a stronger foundation for innovation and progress in the years ahead.

Thank you
Yonatan math

ስእለ
Jul 22, 2025 3:37 PM
174.250.12.208
ሰብ ገፋጢ!
=======
መሬት ብሰፋሓ
ምስ ኩምራ ጸጋኣ
ጽባቐ መልክዓ
ምእኻል ሲኢናቶ
 ኮይንዋ ጥዕምቶ

እወ

ውቅያኖስ ባሕራ
ምስቲ ጸጋ ምድራ
ኣይገበሮን ሓራ
ካብ ዓመጽ ወረራ

ክቕተል ክቐትል
ክዘምት ክምንጥል
ኣሕሊፉ መዋእል

ዝገርም'ዩ!

ዓለም ብምልእታ
ምስ ሺሻያ ሃብታ
የምባሁቕ ክውሕጣ
 
መሬት ዝዓቖሮ
ላዕሊ ታሕቲ ዘሎ
ኩሉ ናተይ ይብሎ

ብስስዐ ዕዉር
ኣይጥዑይ ኣይሕሙም
ጠባዩ ዘርምም

ገፋጢ!

ረሲዑ ምዃኑ መዋቲ
ኩሉ ንዓይ ይብል
ከይንሓፈ ሓንቲ
ስእለ
Jul 20, 2025 4:27 PM
108.45.183.178
"ከይብሉኒ" ተሪፉ
==========
ጸዋግ ግዜ ስርዓት ዘየብሉ
ኣነ ይፈልጥ በዚሑ ገኒኑ
"ከይብሉኒ" ዛንታ ነውሪ ኮይኑ

ኩሉ፡
ኣፍ ዝሃቦ ይዛረብ ይምድር 
ኣብ ዘይፈልጦ ይህውትት ይግዕር
ኩርኳሕ እዝኒ ክትሰምዖ ዘሐፍር

ሰብ ሎሚ ዘይስከፍ ዘይሓፍር
ባዶ ርእሲ እንዳራኣየ ዕዉር 
ክንዲ ሰላም ጉድጓዱ ይፍሕር

ኣብ ዘይፈልጦ ይልፍልፍ ይዝምር
ንዓይ ስምዑ ይሰብኽ የዘውትር
ኣበረኛ ኣብ ቃሉ ዘይነብር

እወ ዘበኑ፡
መን'ዩ በሊሕ መን'ዩ ዓዋን
መን'ዩ ዓቃል ዝብል ጻርጻር
ከተለሊ ዘይክኣል

ወዶም ጓሎም ኩሎም ሓደ 
ዘይበሰሉ ጪልቅዕ ጥረ
ኮይኑ ዝብሉ ዘይተገብረ

ሕማቕ ግዜ ጨካን እዋን
ዘይትፈልዮ
መን'ዩ ለዋህ 'ቲ ተረጋም
ጸረ-ሲኒት ዓርኪ ሰይጣን፧
ስእለ
Jul 15, 2025 10:36 PM
108.45.183.178
ጽምዶ፡
ድምጺ እሩም እንዶ
ዶባት ዘይቅይዶ
ህዝቢ ዘኳድዶ

ንሓባር ዕብየት
ሰላም ቅሳነት
ጽምዶ መሰረት

ጎነጽ ዘይብሉ
ኢሂን-ሚሂን መትከሉ
ህዝቢ'ዩ ጽላሉ

ጽምዶ፡
ኣንጻር መጣቖስቲ
ዕግርግር ሃንደስቲ
ፊት ንፊት መካቲ

ንሩሑቕ ቀረባ
ጸሊም ይዅን ጻዕዳ
ጽምዶ
ንኹሉ መርሓባ


ስእለ
Jul 3, 2025 9:32 PM
108.45.183.178
ዕባይ ወያነ
=======
ቆልዓ በሻሻ ትኳዕ ወያነ
ክሓዲ ዕሱብ ጸረ-ምዕባለ
ሰላም ነጺጉ ህውከት ዝምነ

ተላኢኹ ድዩ ተኸፊሉ
ወይስ
ሓሚሙ'ዩ ተጸሊሉ
ንኤርትራ ክወራ'የ ኢሉ፧

ሩቡጽ ለፍላፊ ፈኲስ ኣምስሉ
ዘይቡሱል ሕንጫል ኣሉ ኣመሉ 
'ቲ ዝዛረቦ ጭብጢ ዘይብሉ

ዕንዱ!

ተመንዩ ዓሰብ ወደብ ምስ ባሕሪ
ረሲዑ ትማል ተኸፍሎ ዕምሪ
ሂወት ኣሺሓት ዓሌት ዘይፈሊ

 እወ ረሲዑ

እቲ ከልበትበት ስደት መከራ
ስቓይ መስዋእቲ ብስልኪ ካራ
ዝኸፈልናዮ ኣብ ትሕቲ ኣምሓራ

ሕዋይ!

ተመንዩ ኤሩ ክጎብጣ
'ቲ ማዓድና 'ቲ ዕቑር ሃብታ
እቲ ሺሻያ 'ቲ ዓሳ ሃብታ

ሕንጫል!

ኣይርከብን'ዩ ባሕሪ መሬትና
ዝኸፈልናሉ ክቡር ሂወትና 
ኣሺሓት ኣፍላ ወድና ጓልና



ስእለ
Jun 20, 2025 11:26 AM
108.45.183.178
ስውኣትና ይዘከሩ
==========
ኣምስየ ኣንጊሀ
ደቂሰ ተሲአ
ሰትየ በሊዐ
ብድድ ኢለ ክወፍር
ስርሐይ ክጂምር
ላዕሊ ታሕቲ ክብል
ወርትግ
ስዉኣት ይዝክር

እወ ብስዉኣት 
ይሓስብ የስተንትን
ይኾርዕ ይቓዝን
ካብ ልቢ የመስግን
ዓው ኢለ ይዝምር

የምልኾም'የ ይኣምኖም
ደኒነ ይሰግደሎም
ንዓይ ምብጃዎም
ኮሪዐ ክነብር
ኤርትራዊ'የ ክብል

ስዉኣትና ይዘከሩ
ክቡራት'ዮም ዝኸበሩ
ምእንታና ምእንቲ ኤርትራ
ዘይነበሩ
ስእለ
Jun 18, 2025 1:47 PM
174.219.234.247
ዕንዱ ተጸሊሉ
=========
ኢትዮጵያውያን፡
ገለ'ዶ ግበሩ
ዘትዩ ምኸሩ
ዕንዱ ተጸሊሉ

ዝዛረቦ ኣይፈልጥ
ሓሓሊፉ ይሕንፍጥ
ህዝቢ የንከላብት

ማዓድዎ
ምኽዳም ደው ከብል
ሰሪሑ ክምዕብል
ሃገር ከማሓድር

እወ ንገርዎ
ኣብ "ጽምዶ" ክዓስል
ዶብ ሃገር ከኽብር
ብስርዓት ክነብር

ምኸርዎ
ጽውጽዋይ ከወግድ
ዘይናቱ ከይጥምት
ንሰላም ክጽዕት

ስእለ
Jun 14, 2025 4:20 PM
108.45.183.178
ኳዂቶ ሂወት
========
ጻዕዳ ገዛ
ናይዛ ዓለም ቃንዛ
ሳክሺን ጠበንጂኡ
ጥይቱ መድፍዑ 

'ቲ ሓይሉ ትዕቢቱ
መን ከማይ እምነቱ
ሰላም ኣጸልሚቱ

ንሓደ ይእግድ
ንገለን ይስጕድ
ቅጪኡ ከርጕድ

እቲ ግፍዒ በደል
ኣደራዕ ዘይጽወር
ምምባር ኮይኑ ገደል

ስእለ
Jun 13, 2025 7:53 PM
148.184.174.61
        ሓይሊ
        ===
ኣብዛ ዓለም እዚኣ
ትፈትዋ ትጸልኣ
     ሓይሊ እንተለካ
     ሓይሉ ብሓይሉ
     ዘይጉነጽ ብኹሉ
     ዝስዕር ገጢሙ
      ትሰርር ትነብር
       ዘርእኻ ይቕጽል

እንተዘየለ፡
     ዕድሜኻ ይሓጽር
     ነበረ ትኸውን
     እስኻን ታሪኽካን
     ጽቡቕካን ሕማቕካን
     
ስለዚ፡
     ስመር ተገጣጠም
     ሃገረይ ሪመይ በል
ወርትግ፡
     ዕጡቕ ኩን ተዳሎ
     ብንቕሓት ኣትኩሮ
      ሺላ'ሎ ቆሊባ'ሎ
     ወሲዱ ዘይኣኽሎ
     ዓመጽ ዘገበሎ
     ሕጊ ዘይክልክሎ


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events