ኣብ 2018፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብህዝባዊ ናዕቢ ስርዓት ተለወጠ። ሽግር ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከብቅዕ ድማ ተስፋ ተቐልቀለ። ሰላምን ስኒትን ዝበሃገ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብጠባሪ ልሳኑ፡ ሃዋርያ ፍቕርን ምድማርን መሲሉ ዝመጸ ሓድሽ መራሒ፡ ብልቡ ተቐቢሉዎስ ሰፊሕ ደገፍ ሂቡዎ። ናብ ኣስመራ በሪሩ፡ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ምስ ከተመ ድማ፡ ‘ደጊምሲ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮነ፡ 80 ዓመት ሰላም ዝረሓቖ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክክሓሱ እዮም’ - ተገመተ። ዓለም እውን ንኣደቶ፣ እንተ ‘ፈጣር ሰላም’ ኢላ፡ እንተ ንካልእ ዛዕባ ሓርያቶ፡ ከይተማትአት ‘ሽልማት ሰላም ኖቤል’ መጠወቶ።
ወዮ ተሸላሚ ሰላም፡ ኣብ ከርሱ ስሱዕ፡ ከሓዲ፡ ቂመኛን ደም ዘይጸግብን ጋኔን ዓቚሩ ይመጽእ ኢሉ ዝጠርጠረ ኣይነበረን። ሓቀኛ ባህርያቱ ክቕላዕ ከኣ ግዜ ኣይወሰደን። ኣብዚሖም ዝጉንዑ ጽጋባታት ምስ ረኸበ፡ ቅጽበት መብጽዓኡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ጠለመ። ትኳቦ ሰኒቑ ንጥቕሞም ከገልግል ተዓስበ። ንሳቶም ከኣ፡ ጸጋታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ክዘምቱ፡ ሃጸያት ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወደባቱን ኮይኖም ክጉብልሉ እምብዛ ሃሪፎም ነበሩ’ሞ፡ ውጥኖም ብቐረባ ዘሳልጥ ግርም ተለኣኺ ረኸቡ።
ተሸላሚ ሰላም ምስ ጭፍራኡ ሰዊሩዎ ዝመጸ ዘቤታዊ ዕላማ ምሒር ጸቢብ ነበረ። ደላዪ ፍትሕን ማዕርነትን ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ዓንቃጺ ጸቢብ ዕላማኡ ከም ዝኸውን ከሎ ገና ገሚቱ ከኣ፡ ብሓይሊ ብረት ክመልኮ ወሰነ። ኲናት ኣወጀሉ፣ ለኣኽቱ ብዘዕጠቑዎ ድሮናት ተሳሃሎ - ገዳማት እውን ኣይነሓፈን። መቓቒሉ ሓድሕድ ከፋልሶ እንተላይ ናይ ቀደም ታሪኽ እናገንጸለ፡ ቁስልታት ጸቢብ ፖለቲካ ቀሰቀሰ። ኣብ ዘመነ ስልጣን ተሸላሚ ኖበል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ርእይቶ ዘይትፈልጥ፡ ዘሕዝን ግጭታትን ኲናት ሓድሕድን፣ ገዚፍ ህልቂትን ዕንወትን ምምዝባልን ኣአንገደት። ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ተቐዝፈ። ምድሪ’ታ ሃገር ክሳብ ቊርምባ ደምን ንብዓትን ጸገበ። ሚልዮናት ብዓሌታውን ሃይማኖታውን መጥቃዕቲ ተፈናቐሉ፣ 12,000 ኣብያተ ትምህርቲ ዓንዩን ተዓጽዩን ልዕሊ 8 ሚልዮን ቆልዑ ካብ ትምህርቲ በኾሩ፣ ልዕሊ 21 ሚልዮን ህዝቢ ተጻባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ።
ወዮም ነጋዶ ሞት መወልቱ፡ መቕዘፍትን መግደራን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣየደንገጾምን። ሸቃሊኦም ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ መዕለቢኡ ዘይፍለጥ ኲናት ኣባሪዑ ከይኣክል፣ ሰላም ጎረቤት ህዝቢ ሱዳን ንምዝራግ እውን፡ ኣብ መሬቱ መናሃርያ መደበር ከቕውም ኣዘዙዎ። ዝበልዐት ከብዲ ናታ ሕርያ የብላን - ፍቓዶም መልአ። ኤርትራ ውጥናቶም ኣቐዲማ ነቒሓትሉ ነበረት’ሞ፡ ‘ኣፍደገ ባሕሪ’ ብዝብል ምኽኒት ንሳ’ውን ክትውረር ኣዘዙ። ኣብዚሖም ድማ፡ ገንዘብን ኣጽዋርን መጠዉ። ተሸላሚ ሰላም፡ ዝኸፍአ ጎርቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮነ። ብኲናትን ህልቂትን ሽልማት ኖበል እንተዝህሉ ዝወዳደሮ ኣምበይ ምረኸበን።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ