Basic

ወራሪ ከም ግዳይ፡ ጥርዓን ብልጽግና ናብ ባይቶ ጸጥታ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 22 October 2026

ርእይቶ
ወራሪ ከም ግዳይ፡ ጥርዓን ብልጽግና ናብ ባይቶ ጸጥታ
ሳሙኤል ገብረብርሃን
ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥቅምቲ
ኣብ ታሪኽ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲ፡ ካብቲ ሓደ ወራሪ ባዕሉ ናይ ባርዕ ነጋሪት እናሃረመ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ንጹህ ግዳይ ቀሪጹ ኣብ መጋባእያ ዓለም ዘስምዖ ናይ ሓሶት ዋይዋይታ ንላዕሊ ሕልና ዝፈታተን ዘሕፍር ተግባር የለን። እቲ ኣብ ኒውዮርክ፡ ኣብ ኣዳራሽ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዮስ ዝተላእከ ደብዳበ ድማ፡ ናይዚ ዘመናዊ ናይ ፖለቲካ ምስሉይነት ዝለዓለ ጥርዚ እዩ። እቲ ንዓመታት ምሉእ ሰማይ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ኲናት ጐስጓስ ዘናወጸ፡ ኣብ ባይቶኡ ኮይኑ ንልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ብግሁድ ዝደፈረ፡ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ብሓይሊ ከም ዝወስድ ዝፈከረ ስርዓት፡ ሎሚ ሃንደበት “ተወሪረ፡ ብዘይካ ንነብሰይ ምክልኻል ካልእ ኣማራጺ የብለይን” ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ክጠርዕ ክትርእዮ ከለኻ፡ ንታሪኽን ንዓለምለኻዊ ሕግን ብዕሊ ዘላግጽ ዘስካሕክሕ ናይ ዲፕሎማሲ ተዋስኦ እዩ። እዚ ስምዕታ እዚ፡ ንዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ንምድንጋር ዝተዳለወ ናይ ዲፕሎማሲ መጋረጃ እምበር፡ ኣብ ባይታ ዝኾነ ሞራላዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ክሲ እዩ።

እቲ ደብዳበ ብጥንቃቐ ዝተሓንጸጸ ናይ ሓሶት መጋረጃ እዩ። ሚኒስተር ጊዲዮን ጢሞትዮስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ካብ ሰላሳ ክሳብ ስሳ ኪሎ ሜተር ናብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዩ ክብል ከሎ፡ እቲ መልእኽቲ ሓቂ ንምግላጽ ዝዓለመ ኣይኮነን። እቲ ዕላማ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ክእለም ዝጸንሐ ናይ ኲናት ውጥን ሕጋዊ ምስሊ ንምሃብ፡ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ደማዊ ዕንወት ድማ “ናይ ነብሰ-ምክልኻል ስጉምቲ” ዝብል ናይ ሓሶት ካባ ንምኽዳኑ እዩ። ሓደ መንግስቲ ብሓደ ወገን ወተሃደራቱ ኣኪቡ፡ ዘመናውያን ድሮናት ኣዳልዩ ናብ ዶባት እናገስገሰ፡ ብኻልእ ወገን ድማ “ተጠቒዐ እየ እሞ ኣብ ጎድነይ ቁሙ” ኢሉ ንዓለም ክልምን ከሎ፡ ኣብ ታሪኽ ወራራት ዝፍለጥ ናይ ጥልመት ስልቲ እዩ። እዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ባይቶ ጸጥታ ከም ናይ ውግእ መበገሲ መሳርሒ ናይ ምጥቃም ሓደገኛ ሽርሒ እዩ።

እቲ ዘገርም ሕቶ ግን፡ ብኸመይ ኢሉ እዩ እቲ ባዕሉ ንልኡላውነት ጎረባብቱ ክግህስ ለይትን መዓልትን ዝምድር ዘሎ ስርዓት፡ ሎሚ ብዛዕባ ልኡላውነት ክዛረብ ሞራላዊ ብቕዓት ዝረክብ፧ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ካብ ኣፍ መራሕቲ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ ናይ ጽልእን ናይ ወራርን መደረታት ገና ኣብ ኣእዛን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ የቃልሕ ኣሎ። “ቀይሕ ባሕሪ ናይ ህልውናና ጉዳይ እዩ፡ ብሰላም ወይ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክንረክብ ኢና፡ እዚ ጂኦግራፍያዊ ማእሰርቲ ክስበር ኣለዎ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ታሪኽ ክእረም ኣለዎ” እናበልካ ንናጽነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ምፍታን፡ ናይ ብሓቂ ናይ ወራሪነት ድምጺ እዩ። ንመሬት ጎረቤትካ ብእዉጅ ክትደፍእ እናተሃንደድካ፡ ሰራዊትካ ናብ ናይ ኲናት ድፋዕ እናሰለፍካ፡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ከይድካ “ግዝኣታዊ ሓድነተይ ተደፊሩ” ምባል፡ ጥልመትን ስነ-ምግባራዊ ውድቀትን ጥራይ እዩ።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ እንተዀነ’ውን፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ 2 ንኡስ ዓንቀጽ 4፡ ዝኾነት ሃገር ኣብ ልዕሊ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ ካልእ ሃገር ሓይሊ ካብ ምጥቃም ይኹን ብሓይሊ ካብ ምፍርራሕ ክትቁጠብ ብግዴታ ይእዝዝ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዓለምለኻዊ መትከል’ዚ ብግሁድ እናጠሓሰ፡ ንኤርትራ ብቀጻሊ ከፈራርህ ከም ዝጸንሐ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ኣብ ዓለምለኻዊ ፍትሒ ድማ ሓደ ፍሉጥ መትከል ኣሎ፤ “ጽሩይ ኢድ ዘለዎ ጥራይ እዩ ናብ መጋባእያ ፍትሒ ዝቐርብ” ዝብል ሕጊ እዩ። ሓንቲ ባዕላ ንልኡላውነት ጎረባብታ እትግህስ፡ ንመሬትን ባሕርን ጎረቤታ ብሓይሊ ንምውናን መዓልታዊ እትፍክር ሃገር፡ ንዓንቀጽ 51 ናይቲ ቻርተር መዕቆቢ ክትገብሮ ሕጋዊ መሰል የብላን። እቲ ናይ ነብሰ-ምክልኻል ዓንቀጽ ንግዳያት ወራር እምበር፡ ንወረርቲ መከላኸሊ ዋልታ ክኸውን ኣይተጻሕፈን።

እዚ ናይ ሎሚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ድራማ፡ ነቲ ኣብ 1998 ዝተራእየ ጸሊም ታሪኽ ዘዘኻኽር እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ’ውን ተመሳሳሊ ናይ ተበዳሊ ስእሊ ብምሓዝ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ደማዊ ናይ ‘ዶብ’ ኲናት ኣጒሂራቶ እያ። ድሕሪ እቲ ኲናት፡ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝቖመ ናይ ዶብ ኮሚሽን፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ሂቡ፡ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ምስ ወሰነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ንልኡላዊ መሬት ኤርትራ ወሪሩ ክገዝእ ጸኒሑ እዩ። ሓንቲ ንዓለምለኻዊ ብይን ረጊጻ፡ ንልኡላዊ መሬት ጎረቤታ ንክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ወሪራ ዝሓዘት ሃገር፡ ሎሚ ብዛዕባ “ዶብ ምኽባር” ክትዛረብ እንከላ፡ ናይ ታሪኽ ኣሽካዕላል እዩ። እቲ ናይ ትማሊ ናይ ወራር በሰላ ከይሓወየ፡ ሎሚ እንደገና ነቲ ዝለመደቶ ናይ ወራሪነት ተልእኾ ብናይ ግዳይነት ቃላት ክትሽፍኖ ምፍታና ፈጺሙ ኣይሰርሕን እዩ።

እቲ ብድሕሪ’ዚ ደብዳበ ዘሎ ሓቀኛ ድራኸ ግን ካልእ እዩ፦ ንሱ ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝነድድ ዘሎ ዘይዕገት ባርዕ እዩ። ሎሚ እታ ሃገር ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት፡ ብደማዊ ናይ ብሄር ግጭታትን ብቁጠባዊ ውድቀትን ትሕመስ ኣላ። ኣብ ኣምሓራ፡ ኣብ ኦሮምያን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ንመንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍደገ ውድቀት ኣእትዩዎ ይርከብ። ህዝቢ ንመዓልታዊ ምግቢ ኣብ ዝስእነሉ፡ እቲ ስርዓት ድማ ህዝባዊ ተቐባልነት ኣብ ዘጥፍኣሉ ህሞት፡ ሓደ ናይ ወጻኢ ጸላኢ ፈጢርካ ህዝባዊ ቁጥዐ ናብ ካልእ ኣንፈት ምጥዋይ ናይ ኩሎም ውዱቓት ገዛእቲ መወዳእታ መዕቆቢ እዩ። እቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝቐረበ ስምዕታ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ናይ ደም ውሕጅ ንምኽዋል ዝተፈብረኸ ናይ ፖለቲካዊ ህልውና ቁማር እዩ።

ኣብ ታሪኽ ውግኣት፡ ሓደ ስርዓት ናይ ወራር መደቡ ቅድሚ ምትግባሩ፡ ወትሩ ናይ ሓሶት መመኽነይታ ይፈጥር እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ኣትዩ እናበልካ ንዓለም ምጭዳር፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝኽፈት ወራር “ኣቐዲመ ነጊረኩም ነይረ እየ፡ ንነብሰይ እየ ዝከላኸል ዘለኹ” ዝብል ናይ ሓሶት ሕጋዊ ሽፋን ንምድላው እዩ። እቲ ሚኒስተር ኣብ ደብዳበኡ “ኢትዮጵያ ካብ ንነብሳ ምክልኻል ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብላን” ክብል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዝተዳለወሉ ናይ መጥቃዕቲ ውጥን ፍቓድ ንምሕታት እዩ። እዚ ድማ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ደማዊ ባርዕ ንምእታው ብፍላጥ ዝተሃንደሰ ናይ ኲናት ንድፊ እምበር፡ ፈጺሙ ናይ ሰላም ድሌት ኣይኮነን። እዚ ሓሶት እዚ ንህዝቢ ዓለም ንምድንጋር ዝተዳለወ መርዛም ናይ ዲፕሎማሲ መጻወድያ እዩ።

እንተኾነ ግን፡ ሓቂ ኣብ ልዕሊ መሬት እምበር ኣብ ልዕሊ ወረቐት ኣይኮነትን እትቕረጽ። ኤርትራ ኣብ መሬታን ማያታን ብጽንዓት ደው ዝበለት፡ ንልኡላውነታ ብክቡር መስዋእቲ ደቃ ዘረጋገጸት ሃገር እያ። ኤርትራ ናይ ካልኦት መሬት ናይ ምውናን ስስዐ የብላን፤ ናይ ገዛእ ርእሳ ዶብ ንዝደፍእ ኣካል ድማ ብዘይሕለል ጽንዓት ናይ ምምካት ታሪኽ ኣለዋ። እቲ ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ ንምርካብ ዝመደረ፡ ንልኡላውነት ጎረባብቱ ንምግሃስ ሰራዊቱ ዘዳለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ወራሪ ንገዛእ ርእሱ ከም ግዳይ፡ እቲ ንልኡላውነቱ ዝከላኸል ድማ ከም ወራሪ ተገይሩ ክቐርብ ምፍታኑ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መጋባእያ ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ዓቢ ክድዓት እዩ። ልኡላውነትካ ምኽባር ማለት ናይ ገዛእ ርእስኻ ዶብ ምሕላው እምበር፡ ናይ ካልኦት መሬት ብምምናይ ዝመጽእ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ዘስዕቦ ዘሎ ዞባዊ ሳዕቤን ድማ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ተኣፋፊ ሰላም፡ ብኸምዚ ዓይነት ሓላፍነት ዘይብሉ ናይ ዲፕሎማሲ ቁማር ክፈራኸሽ ኣይግባእን። እቲ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ምስ ጎረባብቱ ብክብሪን ብስኒትን ዝነብር፡ ኣብ ክንዲ ውሽጣዊ ቁስሉ ብሰላማዊ ዘተ ዝፍውስ፡ ንመላእ እቲ ዞባ ናብ ሓዊ ናይ ምእታው ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ። እዚ ስምዕታ እዚ፡ ንባይቶ ጸጥታ ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈታተን እዩ። ናይ ሓሶት ድራማታት ብምፍጣር ንኲናት መንገዲ ምጽራግ፡ ኣብ መወዳእታ ንኹሉ ሰብ ዘኽስር ናይ ጥፍኣት መገዲ እዩ። እተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ልኡላውያን ሃገራት ነዚ ሽርሒ’ዚ ብንቕሓት ክምክታኦ ከለዋ፡ ሓላፍነት ናይ ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ድማ ነቲ ናይ ሓሶት ክሲ ምንጻግን ንወራሪ ስጉምቱ ምግታእን ክኸውን ይግባእ።

ንምጥቕላል፡ እቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተላእከ ደብዳበ፡ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ከቃልዕ ዝኽእል ናይ ሓቂ መስትያት እዩ። እቲ መጋረጃ ሎሚ ተቐሊዑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራን ናይቲ ዞባ ህዝብታትን መን ወራሪ፡ መን ከኣ ሓላዊ ሰላም ምዃኑ ብንጹር ይፈልጡ እዮም። ኢትዮጵያ ብናይ ሓሶት ደብዳበታት ተጠቒማ ናይ ወራር ማዕጾ ንምኽፋት እትገብሮ ዘላ ፈተነ፡ ንገዛእ ርእሳ ናብ ዝገደደ ናይ ጥፍኣት ገደል ዘእቱ እምበር፡ ዘምጽኦ ረብሓ የለን። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ናይ ምስሉይነት ተዋስኦ ብንቕሓት ክጥምቶን፡ ነቲ ንኲናት ዝዳሎ ዘሎ ስርዓት ስጉምቱ ክገትኦን ይግባእ። ኤርትራ ጽንዕቲ ኮይና ኣብ መሬታ ደው ክትብል ከላ፡ እቶም ብሓሶትን ብሽርሕን ኲናት ዝኣለሙ ሓይልታት ግን ኣብ መወዳእታ ግዳይ ናይ ገዛእ ርእሶም ውዲት ኮይኖም ከም ዝተርፉ ርጉጽ ሓቂ እዩ።



Permutation Law - ሕጊ ምልውዋጥ Math

Dehai Events