Dehai News

ቃል ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 2024

Posted by: Semere Asmelash

Date: Sunday, 01 September 2024

ቃል ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 2024

ባሕቲ መስከረም 1961፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ቃልሱ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ መኸተ ዘሰጋገረላ፡ ንዕጥቃዊ ታጋድሎ ኣሃዱ ዝበለላ ኣገዳሲት ዕለት’ያ። ካልእ ሕርያታት ስለዘይነበሮ ተገዲዱ ዝወሰዶ ከቢድ ውሳኔ ከኣ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተኣማሚኑ ምስ ዘይዳረጎም ጸላእቲ ክገጥም ምውሳኑ ቀሊል ስለዘይነበረ፡ ሽዑ ዓንዳርነት ዝወሰድዎ፣ ክዕወት ዘይክእል ከንቱ ፈተነ ዝመሰሎም ውሑዳት ኣይነበሩን። ይኹን እምበር፡ ንቕድሚት ምስጓም ንድሕሪት ምምላስ፣ ምውዳቕ ምትንሳእ እናገጠሞ እናተመኰረ፡ ብቑዕ ውድብን መሪሕነትን ፈጢሩ፡ ሓይሉ ከራብሕ መላእ ዓቕሚ ህዝቢ ከኽትትን ስለዝኸኣለ፡ ሓደ ካብ ውሑዳት መወዳድርቲ ዘለውዎ ዕውት ቃልሲ ንሓርነት ክኸውን በቒዑ’ዩ።

እዚ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ፡ ብውሽጣዊ ማሕለኻታትን ዝበራረዩ ዝርያታትን ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለና ይኹን እምበር፡ ኣብ ምድልዳል ሃገራዊ መንነትና፡ ኣብ ምዕማቚ ማሕበራዊ ስኒት ህዝብና፡ ኣግኣዚ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ባህሊ ተበጃውነትን ክትኣምኖ ዘጸግም ርእስ-ምርሳዕ፡ ተወፋይነት፡ ጻዕረኛነት. . . ወዘተ ኣብኡን ሽዑን ዝተዀስኰሱ ክብርታት ኢዮም።

ሎሚ መበል 63 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብ እነኽብረሉ እዋን፡ እቲ ትማሊ ከቢድ ዝነበረ ዝሰዓርናዮ፡ እዚ ሎሚ’ውን ከቢድ ዝመስለና ግድላት ህንጸት ሃገር፡ ኣውራ ድማ ምርግጋጽ ልምዓትን ምህናጽ ሓያል ቁጠባን፡ ክንስዕሮ ምዃንና ስለዝምህረና፤ ተኣማሚንና፡ መኽሰባት ተጋድሎና ዓቂብና ብተወፋይነት ክንሰርሕ ይግባእ።

ዓወት ንሓፋሽ!
1 መስከረም 2024




Dehai Events