Dehai News

መ፪

Posted by: Yonatan Math

Date: Monday, 06 April 2026

ዝኸበርኩም ኣባላት ደሃይ፡

ተማሃሮና ኤርትራዊያን ዕላማ ናይ ህይወትና፡ ፍልጠትን ተመክሮን ዓሚቝ ርድኢትን ብትርጕም ዘለዎ መገዲ ናይ ምትግባር ክእለት ምእንቲ ክነመዕብል፡ ንጥበብ ኢና ክንደሊይ ዘለና። በዚ መሰረት’ዚ፡ ንኤርትራ ሃገርና ንዝተሓላለኹ ጸገማት ክትፈትሕን ትክንብድህን ክትመርሕን ንትክእል ናይ ህይወት ዕላማ ኣለና፡ ብፍላይ ኣብ መዳያት ትምህርትን ምዕባለን ስነ ፍልጠትን (ሳይንስን)፥ ስነ ኪነትን (ቴክኖሎጅን)። ኣብ ሕመረት ናይዚ ራእይ እዚ፡ ሕሳብ(ቁጽሪ) ንዓለምና ክንርድኣሉ እንኽእል ኣድማሳዊ ቋንቋ እዩ ። 

ኣብ ታሪኽ፡ ቅድሚዚ ዝነበሩ ስልጣነታት፡ ንገስጋስ ደቂ ሰባት ዝቐረጹ ዓሚቝ ናይ ሕሳብ ሓቅታት ኣቃሊዖም እዮም። እዞም ርኽበታት እዚኦም ኣይጠፍኡን፤ የግዳስ፡ ዳግማይ ምርካብን ዝዓሞቐ ምርዳእን ይጽበዩና። ሓላፍነትና ብሓሳብ ምቕራብ እዩ፡ ብትኽክል ምምሃርን ኪኖ ምዝካር ብዝሓልፍ መንገዲ ምስኦም ምውፋርን እዩ። ሓቀኛ ትምህርቲ ብተመኩሮ ዝድገፍን ብዓሚቕ ምርዳእ ዝምራሕን ፍልጠት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ክእለት ይሓትት።

ብዓቢኡ ድማ ቅድሚ ኣብ ታሪኻዊ ምዕባለ ሕሳብ(ቁጽሪ) ምትኳርና፡ መጀመርያ መበገሲኡ ክንርዳእ ይግባእ። ከምኡ ብምግባርና ድማ ዝሓየለ መሰረት ክንሃንጽን ዝያዳ ውጽኢታዊ ኣገባብ ኣመሃህራ ክንሕዝን ንኽእል ኢና፣ ሕሳብ(ቁጽሪ) ከምዚ ዝማሃር ዘሎ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓቂ ከም ዝርዳእን ትርጉም ዘለዎ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕልን ጌርና ክንምህሮን ከነረጋግጾን ንኽእል ኣለና።

Thank you 
Yonatan Math 




ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events



Latest Posts