Date: Friday, 07 November 2025
ሰላሓዲን ሑሴን ትርጉም፥ ዑቕባስላሰ መሓሪ
ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ 4 ሕዳር 2025፡ ኣብ ዓረባዊት ሪፑብሊክ ምስሪ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ኣካዪዱ ነይሩ። ኣብ መመረቕታ ዓቢ ቤተ-መዘክር ምስሪ’ውን ተሳቲፉ። ከምኡ’ውን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል’ሲሲ ሰፊሕ ዝርርባት ኣካዪዱ። ብዛዕባ ዑደቱን ውጽኢቱን ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘካየድናዮ ቃለ- መጠቕይ ይስዕብ፥
እቲ ቤተ-መዘክርን ኣብ’ቲ መመረቕታ ዝቐረበ መብርሂታትን ዝርዝራቱን እጹብ ድንቂ’ዩ ነይሩ። ስነ-ጥበባዊ ምድላዋቱ፡ ምንቅስቓስን ብርሃንን፡ ኩሉ መዳያቱን ኣመና ዘደንቕ ስራሕ እዩ። ካብ ተመኩሮን ዓሚቚ ታሪኽ ምስሪን ግድን ክንጥቀም ኣሎና። ነዚ ሓሳብን ባህሊን’ዚ ክንዝርግሖ ኣለና። ካብዚ ስነ-ጥበባዊ ዓቕሚታት’ዚ ንምጥቃም ክትብገስ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ምስታፍ ጥራሕ ከይተወሰንና፡ ዜጋታት ምእንቲ ክፈልጥዎን ክረብሕሉን ብመገዲ ማዕከናት ዜና ክንዝርግሖን ከነንጸባርቖን ኣሎና። እቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት ኮነ ንትሕዝቶታት ናይ’ቲ ቤተመዘክር ኣመልኪቱ ዝቐረበ መብርሂታትን ብኹሉ መለክዒታት ዝድነቕ እዩ።
ክልተኣዊ ዝምድናና ብዘለዎ ዞባዊ ዕምቆት ኣገዳሲ እዩ። ይኹን’ምበር ምትሕግጋዝ ኣብ ክልተኣዊ መዳይ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። ኩነታት ዞባን ከባቢናን ኣልዒልና’ውን ዘቲና ኢና። ብዛዕባ ንህዝብታት ኣፍሪቃን ዞባናን ዘሸግር ጉዳያት ኣልዒልና ተዘራሪብና። ሓባራዊ ስትራተጂያዊ መረዳእታና ከኣ፡ ካብ ታኼላ ህመሻ፡ ዕንወት፡ ምትእትታውን ዘይርግኣትን ውግኣትን ብኸመይ ትወጽእን ንምፍታሑ ዘኽእል ምቹእ ሃዋሁው ኣብ ምፍጣር ብኸመይ ትዋሳእን እዩ። ከምኡ’ውን ቃልና ንምሕዳስ፡ ሓባራዊ መደባት ንምትግባር፡ ውጥናት ንምድላው፡ ካልኦት ከም ዝሳተፉ ንምግባር፡ ስትራተጂያዊ ንቕሓትን ዕላማታትን ምብራህን ካብ ህልው ዓቕሚታት ምጥቃምን ክከኣል ምእንቲ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ብዝርዝር ተመያዪጥና። እዚ ከኣ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። እቲ ዕላማ ርሑቕ፡ ብድሆታቱ ድማ ዓቢ ስለዝኾነ፡ ኣብ ክልተኣውን ስትራተጂያውን ዝምድናታትና እነስርጾ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ዞባዊ ዕላማታትን ዓለማዊ ኩነታትን ምትእስሳር ክህሉ ዝጠልብ እዩ። ኣብ መንጎና ከኣ ቀጻሊ ምምኽኻር ክህሉ እዩ። ስትራተጂያዊ ዝምድና ማለት ሓባራዊ መርገጺ ምእዋጅ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝምድና’ዚ ውጽኢታዊ ንምግባር ዕቱብ ስራሕ ዝሓትት እዩ።
ሽግር ሱዳን ዝዓበየ ብድሆ ናይ ዞባና እዩ። ይኹን’ምበር ምስ ኩሉ ዕብየት ብድሆታቱ፡ ሱዳናውያን ብዘይ ናይ ደገ ምትእትታው ሽግሮም ንምፍታሕ ክኽእሉ ምእንቲ፡ ኣበርክቶና ንምሕያል ብጽንዓት ክንቅጽል ኢና። ኣብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ኣሎ እናተባህለ’ዩ ዝዝረብ። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ እዩ። ሱዳን ኣጋጢሙዋ ዘሎ፡ ውዲት፡ ሕቡእን እዉጅን ወራር እዩ። ኣዝዩ ዘሕዝን ተርእዮ እዩ። ህዝቢ ሱዳን ድሕሪ ሰለስተ ዕቑዳት ናብ ዝሓሸ ኩነታት ንምስግጋር ፍኑው ምልዕዓል ኣበጊሱ። እቲ ዘሕዝን ግን ኩነታት ንኸምኡ ምቹእ ኣይነበረን። ሱዳናውያን ናብ ድሕሪ መሰጋገሪ መድረኽ ዘሎ ኩነታት ንምብጻሕ ዘኽእሎም ፍኖተ-ካርታ ከዳልዉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እንተኾነ ግን ናይ ወጻኢ ምትእትታው ነቲ መሰጋገሪ መድረኽ ብምትሕልላኽ ኣብ ሱዳን ሽግርን ወራርን ፈጢሩ። ካብ’ቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝተኻየደሉ እዋን ኣትሒዝካ ክሳብ ሕጂ ዝጠፍአ ግዜን ዕድላትን ቀሊል ኣይኮነን። ድሕሪ ህዝባዊ ምልዕዓል፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ፡ ሰለስተ ዓመት ፍታሕ ንምምጻእ ይከኣል’ኳ እንተ ነበረ እቲ ሽግር ግን ገና ይቕጽል ኣሎ። ስለዚ ከኣ ጻዕርታት ምስሪን ኤርትራን ካልኦት ንሱዳን ዝሕግዙ ወገናትን ኣገዳሲ እዩ። ግድን ከኣ ብዕቱብነት ክንሰርሓሉ ኣሎና። ንናይ ደገ ምትእትታው ምኽንያት ዝፈጥር ዘሎ ከኣ ዜናዊ ምድንጋራትን ምትምያን ኩነታትን እዩ። ንኣብነት ጎረባብቲ ሱዳን ዝኾና ሃገራት ዝሓቁፍ ተበግሶ ምስሪ፡ ዕላማኡ ንጉዳይ ሱዳን ኣብተን ዝምልከተን ጎረባብቲ ሃገራት ብምሕጻር ፍታሕ ንምምጻእ እዩ ነይሩ። ብርግጽ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ናይ ቀረባ ኣፍልጦን ናይ ምፍታሑ ዓቕሚን ነይሩወን እዩ። እንተኾነ ግን ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ። ካብኡ ሓሊፉ ዞባዊ ተበግሶታት’ውን እንተኾነ ቀጻሊ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ጸኒሑ ኣሎ። ምስናይዚ ኩሉ ዕንቅፋታት ግን ንሕና ከም ጎረባብቲ፡ ፍታሕ ብሱዳናውያን ንምምጻእ ጻዕርታትና ክንቅጽሎ ኢና። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ሱዳንን ህዝብታት ዞባናን ስትራተጂያዊ ሓባራዊ ረብሓ ስለዘሎ። ኩሎም መንግስታት ዞባና ከኣ፡ ንህዝቢ ሱዳን ንምሕጋዝን ሽግሩ ንምፍታሑን ክሰርሑ ግቡኦም እዩ።
ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዕምቆት ክትዛረበሉ ግዜ ዝሓትት እዩ። እቲ ባሕሪ ናይ ሃገራት’ቲ ዞባ ባሕሪ ጥራሕ ኣይኮነን። የግዳስ ካብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ህንዳዊ ውቅያኖስ ይኹን ሰላማዊ ውቅያኖስ ወይ ካልእ ዝያዳ ጂኦ- ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ማያዊ መስመር እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ነተን ኣብ ገማግሙ ዝርከባ ሃገራት እንተላይ ኤርትራን ምስሪን ዓቢ ሓላፍነት ዘስክም እዩ። ነዚ ማያዊ መስመር’ዚ ምውሓስ ድማ ንሃገራት ናይ’ዚ ዞባን ካብኡ ወጻኢ ዘለዋን ኣብ ዝርዝር ከይኣቶና እንተላይ ንኣህጉራውያን ሓይልታት ስትራተጂያዊ ጉዳይ እዩ። እቲ ሽግር ብዝተፈላለየ ወገናት ብዙሕ ሓሳባት ዝመጽእን ምእትታዋት ዝበዝሕን ምዃኑ እዩ። ንሕና ኣብ ገማግም ባሕሪ እንርከብ ሃገራት ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንጹር መርገጺ ክህልወና ኣለዎ። ከም መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘቕረብናዮ 12 ነጥቢታት ዘሓዘ ሓሳባት ኣሎ።
ቀዳማይ፦ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ንውሓት ገማግም ባሕራን መሬታን ህላወኣን ንምሕላው ባዕላዊ ዓቕሚ ክህልዋ ኣለዎ። ምናልባት እዘን ሃገራት እዚኣተን ጸጥታ ብብቕዓት ንምውሓስ ተወሳኺ ዓቕሚታትን ጸጋታትን የድልየን ይኸውን። እንተኾነ ግን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንውሽጣዊ ዓቕሚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር መተካእታ ክኸውን ዝኽእል ሓይሊ የለን። ዋላ’ኳ ኣብዝን ኣብትን ፍልልያት እንተሎ እዚ ዕማም’ዚ ናይ ኩሉና መሰረታዊ ጠለብ ክኸውን እትስፎ። ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ህዝብን ከም ልኡላዊ፡ ብውሽጣዊ ዓቕሙ ገማግሙ ንምሕላው ኣብዚ መሰረታዊ ሓሳብ’ዚ ክምርኰስ ኣለዎ።
ካልኣይ፦ ሃገራት ነዚ ኣህጉራዊ ማያዊ መስመር’ዚ ብመገዲ ሕጋዊ ስምምዕን መካኒዝምን ንምውሓስ ዝሓየለ ዓቕሚ ክእክባ ምእንቲ ኣብ መንጎአን ናይ ምትሕግጋዝ መካኒዝም ክህሉ ኣለዎ። ነዚ መስመር’ዚ ንምውሓስ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ምትእትታው ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ሓይሊ ኣየድልን እዩ። ውሕስነት ነባሪ ፍታሕ ንዝመጽእ ተኸታታሊ ወለዶታት ዝግደፍ እዩ።
ሳልሳይ፦ ንኣብነት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ማያዊ መስመረን ንምሕላው ዓቕሚ ዘይብለን ምስ ዝኾና፡ ምናልባት ነዚ ማያዊ መስመር’ዚ ንምሕላው ኣብ ክሊ ሕጋዊ መቓን ኣህጉራዊ ተራ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር ነፍሲ ወከፍ ሃገር ማያዊ ክላ ንምውሓስ ብዝብል ምስምስ ምስ ዓበይቲ ወይ ዞባውያን ሃገራት ስምምዓት ትገብር ማለት ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ንጹግ እዩ። ምኽንያቱ ነተን ሃገራት ብዙሕ ሕልኽላኻትን ብድሆታትን ዘስዕበለን ስለዝኾነ። ስለዚ ከኣ ግድን ኣህጉራዊ ሕጋዊ ክሊ ክህሉ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብዚ ሳልሳይ ነጥቢ፡ ሃገራት ነዚ ባሕሪ’ዚ ንምሕላው ዓቕሚ ብምህናጽ መካኒዝም ፈጢረን እንተድኣ ተሓጋጊዘን፡ ነዚ ዘቕረብኩዎ ክልተ ኣማራጺታት መተካእታ ንምፍጣር ናብ ባይቶ ጸጥታ ወይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐርብ ኣብ መንጎአን ሕጋዊ ስምምዕ ክህሉ ኣለዎ። ማያዊ መስመር ንምውሓስ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ መዓስከር ዓበይቲ ሃገራት ወይ ኣንጻር ዝተወሰነት ሃገር ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዘፍቅድ እማመ ፍጹም ክህሉ የብሉን። እዚ ከኣ ንጹግን ዘይሕጋውን ስለዝኾነ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ውጽኢታዊ ኣይኮነን። ስለዚ ንሕናን ምስሪን ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ክሊ’ዚ መረዳእታ’ዚ፡ ንኹለን ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝሓቊፍ ሃዋህው ንምፍጣር ግድን ኣበርክቶ ክንገብር ኣሎና። ኤርትራን ምስሪን ጥራሕ ዘይኮና፡ ኩለን ሃገራት ናይ’ዚ ዞባ ይሳቐያ እየን ዘለዋ። እዚ ሓሳብ’ዚ ክዉንነታዊ ስለዝኾነ፡ ምትሕልላኽን ናይ ወጻኢ ምትእትታውን ዘድልዮ ኣይኮነን። ስለዚ ኣህጉራዊ ማያዊ መስመር ንምውሓስ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከም ዝተማልአ እማመ ኣብ ዝኾነ ክልተኣውን ልዕሊኡን ኣጋጣሚታት ከነቕርቦ ኣሎና። ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ንኹለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ዓለማዊ ባሕሪ ክኸውን ኣለዎ።
ርክብና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥራሕ ዝተወሰነ ኣይነበረን። ቀይሕ ባሕሪ ምስ ባብኤል መንደብ፡ ወሽመጥ ዓደን፡ ገማግም ሶማልን ህንዳዊ ውቅያኖስን ዝተኣሳሰር ብሓፈሻ ምስ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ናይ’ዚ ዞባ’ዚ ዝተኣሳሰረ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቃለ- መጠይቓት ከም ዝገለጽኩዎ ሶማል ኣስታት 3000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገምገም ባሕሪ ኣለዋ። በዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ማለት፡ ሶማል፡ ክሊ ኣየራ፡ ገማግም ባሕራን መሬታን ዝሕሉ ልኡላዊ ትካላት ዘይብላ ውድቕቲ ሃገር ኮይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን ብውሽጣዊ ዓቕማ ክትገብሮ እትኽእል ድሩት ኣዩ። ነዚ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ’ዚ ንምሕላው ውሽጣዊ ዓቕሚ ሶማል ግድን ክዓብን ክድልድልን ኣለዎ። ካብ ነዊሕ ግዜ፡ ቅድሚ ናጽነትና ከይተረፈ ጀሚርና ንሶማል ኣብ ጽቡቕ ቁመና ንምምጻእ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። ምኽንያቱ ንሶማላውያን መተካእታ ዝኸውን ወገን ዋላ ሓደ የለን። ልኡላዊ ትካላት ሃገር ንምህናጽ ዘኽእሎም ዓቕሚ ግድን ክህልዎም ኣለዎ። ሶማላውያን ትካላቶም ንምህናጽ ግዜን ዓቕሚን ክሓቶም ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ ወሽመጥ ዓደን ንገማግም ሶማል፡ የመንን ዖማንን ዘዳውብ ወሽመጥ ብምዃኑ ግድን ውሑስ ዞባ ክኸውን ኣለዎ። እንተኾነ ግን እቲ ዘሻቕል፡ ኣብ’ቲ ዞባ ገለ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ቦታ ንምሓዝ ፈተነታት ምክያዶም እዩ። ኣብ ሰቐጥራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምሓዝ ዝግበር ፈተነታት ኣሎ። ደሴት ሰቐጥራ ኣካል የመን ኮይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ያ ትርከብ። ዝኾነ ሓይሊ ኣብ ደሴት ሚዩን ባብ ኤልማንደብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክምስርት’ውን ቅቡል ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ ዝኾነ ሓይሊ ኣብ ዘቑር መጺኡ መዓስከር ከቕውም ንጹግ እዩ። ንኣብነት ካብ ሰቐጥራ ክሳብ ሚዩን ዘሎ ጂኦግራፊን ሶማል ንምምቕቓል ዝካየድ ፈተነታትን እንተ ርኢና፡ ናይ ወጻኢ ፖሊስታት ንምትግባር ዘኽእል ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ዕድል ዝፈጥር እዩ።
የመን ትሓልፎ ዘላ ዘይርጉእ ኩነታት ንባዕሉ፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ብኣህጉራውያን ሓይልታት ዝተማህዘ ጸገማ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስን ዘሎ ሓደጋ ንምእላይ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተሓጋገዝ ውሽጣውን ዞባውን ጻዕርታት ክህሉ ኣለዎ። ንቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ምስ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘተኣሳስር ዞባዊ ስምምዕ ዋላ እንተ ዘየሎ፡ ዞባዊ ርግኣት ግን ክህሉ ኣለዎ። ስለዚ ካብዚ ክዉንነታዊ ሓቂ’ዚ ተበጊስና፡ ስትራተጂያዊ ዕምቆት ናይዚ ዞባ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታትን መንግስታትን ዞባና ክህሉ ዘለዎ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ኣገዳስነቱ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ታሪኻዊ ሓላፍነት እምበር ምርጫ ኣይኮነን።