ምስ ሃገር ትኣስሮ ቃል ኪዳን "ኣልፋ ዎ ኦመጋ"ዩ።
Posted by: Ghebrengus MesmerDate: Thursday, 01 January 2026
ምስ ሰብ ትኣስሮ ቃልኪዳን ዋላዃ ፍትሕ ዘይፍቀድ እንተኾነ ዘየሰማምዕ ክስተት ምስ ዝፍጠር ትፋታሕ ኢኻ። ምስ ሃገር ትኣስሮ ቃልኪዳን ግን ኣልፋ ዎ ኦመጋ እዩ። ብዝኾነ ምኽንያት ፍትሕ ዘየፍቅድ። ንእገለ ጸሊኤ ንእገሊት ኢልካ ሃገር ኣይከሓድን እዩ። ትሕመቕ ትጸብቕ ሃገር ጽላል እያ። ብልቢ ዓቕምኻ እንተበርኪትካላ ወይ ነቶም ዝገብሩላ ዕንቅፋት እንተዘይኮንካ ባህግታት ህዝባ ዘይተማልእ ሃገር የላን። ሃገርና ምስቲ ኩሉ ተጻብኦታት ጥሜት ዘይርኣየላ ሃገር ክትከውን ዝኸኣለት ዝኣሰርዎ ቃልኪዳን ዘይፈትሑ ስለ ዘለዉዋ እያ። ኩልና ኣብ ንነብረሉ ቦታ ብዘየገድስ ቃልኪዳና ምስ ሃገርና ነባሪ ይኹን።