Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Dec 9, 2019 2:38 PM
148.184.174.61
ጭፍራ ወያነ
ንእሽቶ ጒጂለ
መይቱ ዘይተቐብረ
ኣብ ማእከል መቐለ
ይስሓግ እንሀለ

ካብ ስልጣን ተኣልዩ
ሽኲሽኳ ተጨውዩ
ዓዊኑ ጃጅዩ
የህተፍትፍ ንበይኑ

ንውራም ገበነኛ
ዘይብሉ ሕልና
ኣድሕኑኒ ይብለና
ኮፍ ኢሉ ኣብ መሬትና
ዘሚቱ ህዝብና

ገበን እዚ ጭፍራ
ኣብ ልዕሊ ኤርትራ
የብሉን መዘና

መጽሓፍ "መኸተ" ኣምብቡ
ክትፈልጡ ዝርዝሩ
ኣምባቢ
Nov 30, 2019 9:39 AM
172.58.45.44

ኣሰና

እንቃቆሖ ኮይኑ ያኢ ተተካሲ ቦምባ
ዝትኮስ ዝፍንጀር ተሓዊሱ ምስ ጸባ
ህግደፍ ለወስቲ ቢሑቅ ግደፉባ
ኣብዘይ ዓድኩም ምንፋሕ ጥሩምባ

ምልዋስ ንምልዋሱ ሰንክትዎ
ቡሖቅ ኣብፎቆዶ ኣይትድፍእዎ
ዝብላዕ ስ ኢኑ ከሎ ጸቢብዎ
እንተ ክኢልኩም ንዓዲ ዘይትልእክዎ

ነቂሉ ኢዩ ይኣክል ዝብል ዘሎ
ይፍለጥ ዘይሰምዐ ሰብ እንተሎ
ብ ቀቢጸ ቃጻ ፍጹም ዘይንዕሎ
ደጊም የለን ንድምጽና ዝክውሎ

ኩልና ሓቢርና እንተ ነቂልና
ብድሆ ንምልኪ እንተ በዲህና
ከይንፈርሕና ዶ ሕጂ ጃጂና
ነይ ንምለስ ኣብ ከብዲ ኣዴና
ኣምባቢ
Nov 23, 2019 2:57 AM
172.58.45.120

ሓገረይ ነጻ ኩንለይ

ከም ሙሴ መሪሑ
ንጸልማትና ኣብሪሁ

ወስ ዝብላ ነዛ ባሕሪ
ክትኮነና ኢሉ መሳገሪ

መሳገሪ ዘይኮነት መህደሚ
ትመልስ ደኣ ን ዓድና ሎሚ

ኣየወ ተንረክብ ዓድና ዘእቱ
ዝገላግለና ካብቶም ሸፋቱ

ከበስራና ኣዕዋፍ ሰማይ
ከምዝኣከሎ ህዝቢ ምድማይ

ሃገርና ኣቅሲኑ ኣታሃዳዲኡ
ህጻን ክማሙቅ ምስ ኣዲኡ

መንእሰይ ከድህብ ኣብትምርቱ
ክገላገል ካብ ጊላነት መራሕቱ

ሓረስታይ ክሓፍስ ምህርቱ
ብዘይ ተጽዕኖ ክወፍር ክኣቱ

ደቀንስትዮ ውን ከይድፈራ 
ተከቢረን ብነጻነት ክመሃራ

ሰራሕተኛ ቲ ሓኮተ ከምቀደሙ
ወፊሩ ክኣቱ ድራር ተሰኪሙ

ቀሺ ምስ ሻክና
ኣስላም ዎ ክስታና

ኩለን ሃይማኖት ዓድና
ከምድላየብን ንክኮና

ነቲ እሱር ውን እንተኮነ 
ብዘይ ፍርዲ ዝተኮነነ

መዋጽኦ ዝፈጥር
ሕጂ ተዝፍጠር

በትሪ ሙሴ ዝዓተረ
ኣሎ ባ ተዝውረ
ህዝቢ ምተበሰረ
ኩሉ ምተሰራሰረ
ስእለ
Nov 13, 2019 2:39 PM
148.184.174.61
ታቱላ ለያቡ
ዘይኮነ ኣይተዘንቱ
ዓዲ ዘየእቱ

ንቓሕ ተበራበር
ኣብ ትማሊ ኣይትንበር
ኣብ ምዕባለ እመን

ኣብ ጽልኢ ቅርሕንቲ
ንድሕሪት ጎታቲ
ኣይትንበር ክትበኪ

ስዓቦ 'ቲ ከኾብ
ብንቕሓት ብመደብ
ንናይ ሓባር ዕብየት
ጽንዓት
Nov 11, 2019 9:28 AM
51.253.27.129

ኣንባቢ ኣብዲ

ኣንባቢ ዘርዳእ ኣብዲ
ወዲ ኣድጊ
ዘራጊቶ ዘይብሉ እንዶ
መሳርሒ ጸላኢ
ፋሓሲ ጽልኢ
መደናገሪ ዘረባ
ቁጥሚ ሌባ
tzinaat
Nov 11, 2019 8:31 AM
51.253.27.129

ANBABI ABDI

ኣንባቢ ዘይርዳእ ኣብዲ
ወዲ ኣድጊ
ዘራጊቶ
ዘይብሉ እንዶ
መሳርሒ ጸላኢ
ፋሓስ ጽልኢ
መደናገሪ ዘረባ
ቁጥሚ ሌባ
ኣምባቢ
Nov 8, 2019 3:29 AM
172.58.45.2

ይኣክል

ኣይትህደሙ በዓል ስእለ
ኣይትከወሉ ኣብ ሕብእ ዘለ
ኢሎሞ ብእዝኑ ይልለ
ክህደን ዝውዕል ማንቲለ

ኣያኩም ሎምስ ፈንፊንኩም
ዓሰርተ መልሓስ ኣዛሪብኩም
ዘገርም ዘይምሕፋርኩም
ካን ከም ማኪና ክጠዋውየኩም

ቀደም ነጊርና ተዛሪብና
ኣናፍራ ቆቃሕ ዝፈለጥና
ዋላ ትንፈር ጤል ክትብሉና
ከይተከሽሐ ኣልቦ ሕልና

ማዕበል ምስ ነቀለ
ኩሉ ምስ ኣስተብሃለ
ዳስ ህግደፍ ምስ ዛሕተለ
ይኣክል ኣብ ዓዲ ደበክ በለ

ደጊም ፍርዲ ቀሪባ
ቤት ማሕዩር ክዛረባ
ጉድ ክወጽእ ሓቂ ክህባ
ወዲ ከበደ ደም ዘንጠባ

ሚኪኤል ይስሓቅ ዝደረባ
ኣሲሩ ንኩላ ዘዛረባ
ብግፍዒ ህዝበይ ዘረብረባ
መህደሚ የለን ምስመጹ እንዳባ

ፍርዲ ሓቂ ምስመጸት
ብ ኢሰያስ ዝተጛዕጸጸት
ብፍሊፖስ ዝመጸጸት
ብጨካናት ዝ ተቃበጸት

ፍትሒ ቀሪባ ኣላ ደጊም
ይኣክል ኣብኩሉ ክልሕም
ንሓዋሩ ከተብለኩም ህልም
ህግደፍ ቀንጢጥና ኤረና ክንስልም
MIK
Oct 26, 2019 3:00 AM
72.80.221.28

Make Eritrea Green

Many thanks Yonatan for your list of trees. I am sure they will be useful for every Eritrean who wants to green our country.

ኣምባቢ
Oct 23, 2019 5:03 PM
172.58.43.178

ንቅሎ ንመቀለ

ኣይበልናን ዶ ዲዩ ዘለ
ንቅሎ ተጀሚሩ ን መቀለ
ጎብየ ብምንታይ ይልለ
ብዝሕታለ እግሪ ዝሰንከለ

ናፊቁ ሎምስ ዓደቦታቱ
ንነዊሕ ክሕሱ ሃውቲቱ
ከደናግር ነቶም መቃልስቱ
ይራገም ነበረ ይሕሱ የዘንቱ

ደጊም ኣከለ ክከይድ ደለ
ሸውዓተ ልቡ ሕጂ ገንፈለ
ኣዝማዱ ክስዕም ጸውዑኒ በለ
ብወኪኩ ጌሩ ሰለይ ክብለ

ንደቀባት ኤረ ኣህጢሙ
ንንጹሃት ኣሲሩ ኣህዲሙ
ንሃገርና ኩላ ኣባዲሙ
ጨካን'ዩ ታ ዚ ሓክሊ ድሙ
ኣይበልናን ዲና ብቀደሙ

ከየውሓሰ ዶብ ዓድና
ቀያሕቲ ከምዘይሃብና
ረጊጹ መቃብር ስውኣትና
ዓደቦ ሃሲሱ ከሕብረና
እነሆ ይብገስ ክዋገየልና
ትግራይ ትግሪኚ ሽም ክበና
ስእለ
Oct 17, 2019 12:19 PM
148.184.174.62
ወያነ ጭፍራ
ክፉእ መጋብራ
ዘይትሓፍር ፌራ
እንታይ'ያ ትብል ዘላ?

"ኣዝማድ ኣሕዋት ኢና
ኣግኣዝያን ኩልና"

ወዳጀ ኣሽካዕላል
ፖለቲካዊ ቁማር!

ንብረትና ዘሚታ
መሬትና ጎቢጣ
ንሕጊ ረጊጻ
መንእሰይ ኣጽኒታስ...
ኣሕዋት ኣዝማድ ኢና?

መስደመም! 

ዘይትምዕብል ጭፍራ
ጥልመት ሕላገታ
ክልተ መልሓሳ
ናይ ትግራይ ኣበሳ
ክትጽይቕ ዝሰልጣ
ዘየብላ ጣቋ
MIK
Oct 13, 2019 2:09 AM
72.80.221.11

Nobel Peace Prize

Having said all that, I forgot to add my congratulations to Prime Minister Abiy. Not that he would read this message, but to acknowledge and express that as long as he is committed to peace with Eritrea, and as long he earns our government's trust and continues to work with him, I wish him success! I hope he succeeds in taming his country for the sake of all the people of the Horn of Africa. The challenges this region in particular and the continent of Africa in particular will be facing in extracting itself from poverty to the assert its dignity and equal standing among the people of the world is immense. Only the Weyane and their collaborating groups, be it Eritreans or Ethiopians fail to understand that!

MIK
Oct 13, 2019 1:54 AM
72.80.221.11

Nobel Peace Prize

Many comments and questions have arisen regarding PM Abiy Ahmed's award of the Nobel Peace Prize. Perhaps the most important came from those who asked, "The peace agreement between Eritrea and Ethiopia is a significant move, but it takes two to make peace and the relevant organization should have included our president! In fact it is Eritrea that extended its openness to peace by abiding by the treaty it has signed!'

That is absolutely TRUE! However, for the West, who have been denigrating President Isaias Afworki and along with him the whole nation for over 20 years, to the extent of effecting a regime change, to award him one of their most coveted prizes would have been extremely self-contradictory. It would have been tantamount to admitting their organization is contemptible and irrelevant. Would they do that? Absolutely not!

Fortunately for Eritrea, PIA does what he does for the principle of it and primarily for the benefit of his people. Not for recognition by the West nor anyone else. His unrelenting stand and efforts to elevate the region to cooperation and mutually beneficial advancement of the welfare of the Horn of Africa region's population makes him a statesman among everyone who is well informed. I personally wish him success in this endeavor for the region's sake.

The other question/comment goes like this: "PM Abiy is being awarded for doing what he is supposed to do. He doesn't deserve to be awarded." Some even have asked why Ethiopia and its leader should be rewarded for holding the region hostage for 20 years?

PM Abiy made a courageous decision by deciding to do the right thing. In a country where spoiled TPLF warlords have been cuddled and pampered by the West like babies, where as a consequence of the complacence of the West they have been able to pursue their creation of chaos for the sake of the realization of Abay Tigray, Abiy was a dream-buster! One can see that by how much their almost viral presence on the internet where they dish out countless of childish nonsense. The TPLF is still bent on creating havoc in the region! Their handy work will continue to manifest itself for decades to come.

Talking about pampering, remember when a British diplomat said that they begged them to leave Badime for they would build them another Badime? Unbelievable, isn't it?

ስእለ
Sep 20, 2019 6:18 PM
148.184.174.61
ተጣዒሰ!
ካብ ኣስመራ መቐለ ነፊጸ
መሲሉኒ ደገ ኣፈፌቱ
ኣውሮጳ ኣመሪካ ብሽዓ ዘአቱ
ተረኣኹስ ረቂቕ ተንኮላቱ
መሽጎራጒር ሂወትካ ዘስሕቱ
ተስፋ-ኣልቦ ኮለል እትዋቱ

ብወረ ብሓሶት ተናዊጸ
ሸፊጡኒ 'ቲ ቅድም ዝኸደ
"ተመዝጊበ" ኢሉኒ ዝጭበጥ ከይሓዘ
ተንኮል ናይ ወየንቲ ከይፈልጠ
መንእሰይ ኤርትራ ትማሊ ዘጽነተ
ሓዲግ-መዲግ ካብ ኩሉ ዘትረፈ
ስእለ
Sep 17, 2019 5:27 PM
148.184.174.61
ናብ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ
ትግደሱ ብሃገር ብህዝቢ፣

ምጥልላፍ የብቅዕ ምትሕንኳል
ጸረ-ምዕባለ ድኽነት ምፍቃር
መፍቶ ጒሒላ ዓይንኻ ምንቋር

ዝሓበራ ጣንጡ ኣርቃይ የጸምብዓ
ኢሂን-ሚሂን ይንገስ ንናይ ሓባር ረብሓ
ድኽነት ከብቅዕ ክቕረፍ ብሽዓ 

ንውሽጢ ጠምቱ ንህዝብኹም
ንጐረቤት ዝነብር ጥቓኹም
ብቐረባ ዝሰምዕ ድምጽኹም
ተኻፋሊ ሽግርኩም ራህዋኹም

ካብ ሩሑቕ ዘመድ ቀረባ ጐረቤት
ለባም ምስላ ኣማቲ ዕብየት
ኣቕልቡሉ ከም ኤረይ ሓየት

ብሓደ ስርሑ ንኹሉ ርውየት
'ቲ ሕሉፍ ጌጋ ይኹንኩም ሰነድ
ስእለ
Sep 17, 2019 1:55 PM
148.184.174.61
ስሓቕ!
እወ
ክርትም ኢልካ ስሓቕ!
ፍሽኽ በል ብዂርዓት

'ቲ ጽንዓትካ ሓጽን ልዓት
'ቲ ብልሕኻ ናይ ሙዑታት
ሰባር ሕቖ ከም መንድዓት

ካዕካዕ በል
ተሓጐስ ዝለል
ግዜኻ'ዩ ጎብለል

ትንዕ ኢሎም ክሃርሙኻ
ተሻሪኾም ክስዕሩኻ
ተመንዮም ከልሙሱኻ
ግና
ሲዒርካዮም ብስሬኻ
ብጽንዓትካ ምስ ህዝብኻ

ሃዶሽ ኢሉ ዕርዲ ጥፍኣት
ዕርዲ ሓሶት ናይ ከዳዓት
ናይ ከደምቲ ዘይዉሩዙያት

ቀቢርካዮም ንሓዋሩ
ዝተረፉ ክመሃሩ
ኣብ ቀጻሊ ወስ ከይብሉ
MIK
Sep 15, 2019 4:59 PM
72.80.221.131

Suggestion

Pictures of the City of Keren (courtesy of G. Musa) show that most of the residences of the city are built on the planes while the hills are empty. My suggestion is that the city strive to make the hills parks. Plant on them indigenous trees and plants and others that make them attractive, and voila, you have an even more lovely city!

ስእለ
Sep 13, 2019 4:44 PM
148.184.174.61
ጒዳም ጻህያይ!

ዋላኻ ሽዕበት - ባዕኸል ግራትና
ጻህያይ ኣብቊሉ ኣሸጊሩና
ዓፈል ኳዂቶ ተጻቢኡና
ዕንቅፋት ኮይኑ ንምዕብልና
 ኣጓናዲቡ ዕጽፊ እቶትና

ሚሒኻ ኣይጸሪ ኣንዲድካ ሓዊ
'ተረግመ እሾኽ ጒልሕንጣ እኽሊ
ዘይዕዱም ጻህያይ መደናገሪ
ወጠምጠም ይብል ነብሱ ከላሊ
ስርናይ ቀቲሉስ ንሱ ክፈሪ 
ስእለ
Sep 12, 2019 2:54 PM
148.184.174.61
ዘኪረ፣
ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ
ጸልማት ከሎ ሽግር ሓንሳብ ዘየብሪ
ሕማም፣ ጥምየት፣ ጽምኢ፣ ሂወት መንጣሊ
ከልበትበት፣ ሸገርገርር ላዕሊ ታሕቲ
ወርትግ ስደት ኲናት ማእሰርቲ

ሎሚ ግን፣
ታሪኽ ኰይኑ በቒዐ ከማዕዱ መጻኢ
ጽቡቕ ኤርትራ ምስ ህዝበይ ክርኢ
ዋርሳይ ይከኣሎ ዝሃነጾ ዲጋ፣ ሓጽቢ...
 መሰረት ምዕባለ ንራህዋ መንጠሪ 

እወ ረኣዩ'ዶ 'ቲ ሩሑቕ ቀረባ
ጽርግያ ኣትይዎ ዓድና
ጽሩይ ማይ ክንሰቲ ጀሚርና
ሕክምና ትምሀርቲ ኰይኑ ጥቓና
ጸልማት ሃዲሙ ልቺ ኣትዩልና

ገረብ ጨብጪቡ ኣምሊሱ ዱርና
'ቲ ሓመድ ማይና ተዓቂቡልና
እቶት በርኪቱ መሊኡ ኢድና

ስእለ
Sep 6, 2019 1:08 PM
108.48.36.125
ሽመት ንዝሰርሑ፣ ሞሳ ንዝለፍዑ

ሰብ ብብቕዓቱ
ብኣተሓሳስባ ንቕሓቱ
ሰብኣውነት ሓልየቱ
ተወፋይነቱ...
ዘለዎ ንህዝቡ ሃገሩ
ንመሰሉ ክብሩ
ሪኢኻ፡
ክሽየም ክምደብ
ሓላፍነት ክርከብ
ይግብእ

ስለ ዝኾነ
ኣብቲ ጸልማት እዋን
ዋግ ዋጎ ብርሃን
ምስ ሃገራ ህዝባ
ብጾት መቓልስታ
ዝመከተት ንኺሳ
ሶፍያ'ያ ኣምበሳ

Congratulations Sophia, and the best of luck!
ስእለ
Sep 5, 2019 4:57 PM
148.184.174.62
 ኣንታ 'ዞም ተጋሩ እንታይ ጉዶም
ኣይድሓንን ሃተፍተፍ ኣብዚሖም
ብኢቦላ ወይስ ብሕማም ኣእምሮ ተለኺፎም?

ዘሐፍር'ዩ ክትሰምዖ ዘደንጹ
ኲርኳሕ እዝኒ ታሪኽ ናይ ኣናጹ
ደላይ ሓቂ ርእሱ ዘናውጹ

ክንዲ ሰላም ንሓቅነት ምግጣም
ጌጋታትካ ብትብዓት ምእራም
እንታይ ኣምጽኦ ንታሪኽ ምጥማም?

ዘይዉርዙያት ትብዓት ዝሰኣኑ
ሰብ ቅጥፈት ንሓሶት ዝርዕሙ
ካብ መዓስ'ዩ ትግራዋይ ኤርትራዊ ኮይኑ?

ሃገራት ኣፍሪቃ ከመይ ድየን ቆይመን
መግዛእታዊ ባዕዲ'ዶ ኣይኮነን እግረን ሱረን
ብቛንቋ ብዓሌት መዓስ ተኸሊለን

በጃኹም ተጋሩ ኣእምሮ ግበሩ
እቲ ቁኑዕ ታሪኽ ተማሃሩ
ዘየድሊ ጸገም ኣይትፍጠሩ

ንሰላም ንራህዋ ኢድኩም ሃቡ
መሬት ኤርትራ ግልል በሉ
ብሕጊ ብስርዓት ተማእዘኑ

ዘየድሊ ጓል ነገር ኣይትፍሓሩ
ትንዕቑና ኢኹም ኣይትበሉ
ዘንዕቕ ስራሕ ደው ኣብሉ

መንገዲ ጥፍኣት ኣይትህለሉ
ይኣክል ትማሊ ዘክሩ
እቲ ዕንወት መዘዙ ሳዕቤኑ  

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events