ኣብ ዞባና ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብመጋበርያ ምዕራባውያን ዝኾና መራሒ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ንምፍላጥ ጦንቋሊ ምዃን ኣየድልን። ኤርትራውያን ዝኸድናዮ ጉዕዞን፡ ዝከፈልናዮ መስዋእትን፡ ንውጹዕ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ጽቡዕ ኣብነት ቃልሲ ንራህዋን ፍትሕን ምዃኑ ርኢና ኣሎና። ቅኑዕ ቃልሲ ስንኻ ነኪስካ፡ ማዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ዝካየድ፡ ንመጻኢ ዎሎዶታት ዉሑስ ቅሳነት ዝመልኦ ሂወት ንከሕልፉ ዝካየድ'ዩ። ነዚ ቁዱስ ዓላማ ብእልፊ ገፈጥ መፈጥ ንሃገር ካብ ዝገበሩላ ዘይገበሩላ ዝበዝሕ፡ ፍንፉን ዓሌታዊ ኣውራጃዊ ትንታነታት ከም ቅኑዕ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ኣምሲልካ በታታኒ ዘመተ መልሱ ከቢድ ንሕስያ ዘይብሉ ስጉምቲ ከም ዘስዕብ ህድእ ኢልና ንጸበዮ። ሻዕብያ (ህዝቢ ኤርትራ) ዘይህንደድ ንትዕግስቲ ቀዳምነት ሂቡ ግን ጉዳዩ ኣጻፊፉ ዘየዳግም ስጉምቲ ከም ዝወስድ ታሪኽ ሚሁሩና'ዩ