Date: Friday, 31 October 2025
ብ28 ጥቅምቲ “ፓርላማ” ኢትዮጵያ ተኣኪቡ ነይሩ። እቲ መደረ፡ ላግጺ ነቲ ብጥይትን ጥሜትን ዝብላዕ ዘሎ ህይወት ኢትዮጵያዊ፡ ከምኡ ከኣ ኢትዮጵያውያን ዘስተውዕል ኣእምሮ ከም ዘይብሎም ሓሲብካ ዝተዘርበ እዩ። መራሕ ብልጽግና ካብ ኣባላት ዝቐረበሉ “ሕቶታት” መሊሱ። ካብቲ ኣኼባ ይኹን ካብ መልሱ ሓድሽ ነገር ዝጽበ ፍጡር ዝነበረ ኣይመስለናን። እንተ ነይሩ’ውን ካብዘን ክልተ ጉዳያት ንላዕሊ ክጽበ ኣይክእልን።
እቲ ዝረኣናዮ ካብዘን ዝበልናየን ግምታት ዝወጽእ ኣይነበረን። ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘስደምም ሓሶታት ብምቕራብ፡ ብግናዕ ኢዱ ጸሓይ ክኽውል’ዩ ፈቲኑ። “ንኣጀንዳ ክልተ ማያት” ኣመልኪቱ’ውን ታሪኻዊ፡ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ፡ ንኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር፡ ብሓሶታት ዝተባዕጠ ፈኸራ ሓዊሱ ከህተፍትፍ ተሰሚዑ።
ፍልይ ዝበለ ምርኢት እንተ ነይሩ፡ መራሕ ብልጽግና ካብ ቃላቱ ንላዕሊ ኣብ ኣካላዊ ቋንቋኡ (ትርኢት ገጹ፡ ምንቅስቓስ ኣእዳው) ኣመና ጭንቀት፡ ምሒር ዓቕሊ ጽበት ከም ዘለዎ ኣይከወሎን። እቶም ኣባላት ባይቶ’ውን ከም ሕንጻያት – ‘ወንበዴ! ሻዕቢያ!’ ዝብሉ መቓልሕ ቃላት ክደጋግሙ “ንሸንጎ” ናይ ደርግ ኣዘኻኺሮምና። ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ወሪዱ ዘሎ “ባይቶ” ዶ’ምበር እቲ ትማሊ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራን ዘመስገነ ባይቶ’ዩ!? ጥዕና ናይቲ መራሒ ጥራይ ዘይኮነ ጥዕና ናይቲ ኤርትራ ክትውደስ እንከላን ክትውቀስ እንከላን ዘጣቕዕ ባይቶ’ውን ዘተሓታትት’ዶ ኣይኮነን? ኣብ እንዳ ብልጽግና ክሳብ ክንድኡ ድዩ ሕንከት ዘየሎ? መዓስ ንሱ ጥራይ – ኮሎኔል መንግስቱ ንፈኸራ ቀይሕ ሕብሪ ዝመልአ ጥርሙዝ ክድርቢ ኢና ንዝክሮ። መራሕ ብልጽግና ከኣ ትማሊ ንፈኸራ፡ ጠረጴዛ ሃሪሙ። ኣብ ጥርሙዝ ዝተሓትመ ደም ክክዖ ዝረኣየ ህዝቢ ኤርትራ ብምድሳቕ ጣውላ ክሰናበድ ዝጽበ እንተሃልዩ እዚ’ውን ጥዕናኡ ይፈትሽ።
ንኹሉ እቲ ጽሉል መግለጺ ምዝርዛር ልቦና ስለዘይኮነ፡ ካብቲ ብዙሕ ዝተባህለ ንጽላለ ናይቲ መራሒ ዝገልጽ ክልተ ጉዳያት ጥራይ ከነልዕል፥
ሀ. ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ኣመሪካ ኮይኑ ኣንጻር ኤርትራ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ ንፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጀፍሪ ፈልትማን (ሚያዝያ 2021 – ጥሪ 2022) ዝገለጸሉ – ዓመት ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ’ዶ ኣይኮነን?
ለ. ሸሞንተ ኣዋርሕ ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መጋቢት 2022 ምስ መሪሕነት ትግራይ ኣብ ሲሸልስ ዝገበሮ ምስጢራዊ ርክብ፡ ‘ሓቢርና ንኤርትራ ንህ ረም’ ኢሉ ክሓብል ኣይፈተነን ድዩ?
ሐ. ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ መሪሕነት ትግራይ ኣብ ጁቡቲ ኣብ ዝገበሮ ምስጢራዊ ርክብ ደጊሙ ‘ሓቢርና ንኤርትራ ንህረም’ ኣይበለን ድዩ?
መ. ካብ 2018 ክሳብ 2020 ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ ዝነበረ፡ ናይ ሕጂ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብልጽግና፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዝምድና ከይመሓየሽ ዘረሓሕቕ ሓሶታት ኣየቀባበለን ድዩ?
ሰ. ብ3 ለካቲት 2023፡ (ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ) ኣብ ሃላላ ኬላ ምስ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝተገብረ ናይ መጀመርያ ርክብ፡ መራሕ ብልጽግና ንመሪሕነት ትግራይ ሕጂ’ውን ‘ንኤርትራ ሓቢርና ንህረም’ ኣይበሎምን ድዩ?